ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከተማ ግምጃ “ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ውህበት” ንምርኢት ኣቕሪባ

ከተማ ግምጃ “ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ውህበት” ንምርኢት ኣቕሪባ

ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ኸተማታት ሩማንያ ዝዀነት ክሉጅ-ናፖካ፡ “ከተማ ግምጃ” ተባሂላ እያ እትፍለጥ። ኣብቲ ኻብ 20 ኽሳዕ 24 ሚያዝያ 2016 ኣብታ ኸተማ እተገብረ ምርኢት መጻሕፍቲ ጓውዲኣሙስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ኣጕሊሖም እዮም። ኣብቲ ምርኢት ድማ ሰደቓ ኣዳልዮም፡ ምስቶም ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዝነበረ ቪድዮታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ኪፈልጡ ዚደልዩ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ተዘራሪቦም እዮም።

እተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ናብዚ ምርኢት እዚ ዑደት ገይረን እየን። መምህራን ከኣ ንተምሃሮኦም ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለውዎ ሰደቓ ምርኢት ኣምጺኦምዎም እዮም። እቶም ተምሃሮ ምናዳ ነቲ ብካርቱን እተዳለወ ዓርኪ የሆዋ ኹን ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት ፈትዮምዎ እዮም፣ ብዙሓት ድማ ቅዳሓት እተን መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍን ንደቅኻ ምሃሮም ዘርእስታ ብሮሹርን ኪውሃቦም ሓቲቶም እዮም። ሓንቲ ኣላዪት ሕጻናት ነቲ ብካርቱን እተዳለወ ቪድዮታት ምስ ረኣየቶ፡ ንመሳርሕታ፡ “ነቶም ቈልዑ ንዅሉ እቲ ካርቱናት ምእንቲ ኸነርእዮም፡ ንኣድራሻ እዚ ወብ ሳይት [www.pr418.com] ክንጽሕፎ ኣሎና” በለታ።

መንእሰያት ተምሃሮ በቲ ኣብ ታብለታት ዚርአ ዝነበረ ብካርቱን እተዳለወ ስእሊ ሰሌዳ ተመሲጦም እዮም። ገለ ኻብቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዝነበረ ቪድዮታት፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ድዩ ወይስ ኣይኰነን፧ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብግቡእ ተጠቐመሉ (እንግሊዝኛ)፡ ከምኡ ድማ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስቱ እዩ ነይሩ።

ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስን ብዓልቲ ቤቱን ናብቲ ሰደቓ ምርኢት ብተደጋጋሚ ብምምጻእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብሮሹራትን ወሰዱ። እቲ ቐሺ ኸኣ በቲ “መሐበሪ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል መዋቕር እቲ ትርጉምን በቲ እቶም ተርጐምቲ እተጠቕሙሉ ሓያሎ ዜተኣማምን መወከሲታትን ከም እተመሰጠ ገለጸ። ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቍጽሪ ተሌፎኑ ብምሃብ ድማ፡ ምሳታቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኺመያየጥ ኪድውሉሉ ነገሮም።

ብዓልቲ ቤት እቲ ቐሺ፡ ንቘልዑ ዚኸውን ነገራት ኣበየናይ ክፋል እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ከም እትረኽቦ ስለ ዝሓተተት፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ቘልዑ” ዚብል ክፋል እቲ ወብ ሳይት ብኸመይ ከም እትረኽቦ ኣርኣይዋ። ነታ ሓቀኛ ኹን እትብል ቪድዮ ምስ ረኣየታ ኸኣ ኣዝያ ተሓጐሰት። ብዓል ቤታ ድማ ነዝን ንኻልእ መዋቕር እቲ ወብ ሳይትን ምስ መርመሮ፡ ነቲ ወብ ሳይት፡ “ኣምላኽ ንሰባት ዝሃቦም ውህበት” ኢሉ ጸውዖ።