ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባሕረኛታት ብስራት ይሰምዑ

ባሕረኛታት ብስራት ይሰምዑ

ገሊኡ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዚዀኑ ባሕረኛታት ኣለዉ። ባሕረኛታት ወትሩ ኻብ ወደብ ናብ ወደብ ስለ ዚጐዓዙ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ጌሮም እዮም ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ካባታቶም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬብጽሑሎም ዚኽእሉ፧ መርከብ ናብ ወደብ ምስ መጸት፡ ዝሰልጠኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ መርከብ ኣትዮም ንሓለፍትን ንሰራሕተኛታትን እታ መርከብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርትታትን ጽሑፋትን ብዝመረጽዎ ቛንቋ ኺህብዎም ይሓትቱ እዮም።

እዚ ተበግሶ እዚ ግና እንታይ ምላሽ እዩ ረኺቡ፧ ኣብ ወደብ ቫንኮቨር፡ ካናዳ ብወለንታ ዜገልግል ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ስቴፋኖ፡ “ገሊኦም ሰባት ኵሎም ባሕረኛታት ገንጫራትን ተረርትን ሰባት ከም ዝዀኑ እዮም ዚሓስቡ። ገሊኦም ከምኡ ዝጠባዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኦም እንረኽቦም ባሕረኛታት ግና ትሑታትን ንኺምሃሩ ህንጡያትን እዮም” ይብል። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “መብዛሕትኦም ብኣምላኽ ዚኣምኑን በረኸቱ ዚደልዩን ስለ ዝዀኑ፡ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚቕበሉና” ይብል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ መስከረም 2015 ክሳዕ ነሓሰ 2016፡ ኣብ ቫንኮቨር ጥራይ ልዕሊ 1,600 ግዜ ናብ ውሽጢ መራኽብ ኪኣትዉ ተዓዲሞም እዮም። እቶም ባሕረኛታት ብብዙሕ ቋንቋ ኣሽሓት ጽሑፋት ወሲዶም፡ ልዕሊ 1,100 ካባታቶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀሚሮም እዮም።

ምስ ባሕረኛታት ዚግበር ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይቕጽል፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ወደባት ኪርከቡ ስለ ዚኽእሉ፡ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕጽሉ ዚደልዩ ባሕረኛታት ኣብታ ቐጺሎም ዜዕርፉላ ወደብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብግንቦት 2016 ኣብ ቫንኮቨር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ቐንዲ ኸሻኒ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ዝዀነ ዋርሊቶ ረኸብዎ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸኣ ኣርኣይዎ፣ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ገይሮም ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩሉ። ዋርሊቶ ነቲ ምብጻሕ ፈትይዎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕጽል ደልዩን እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ዝነበራ መርከብ ቀጺላ እትዓርፈሉ ቦታ፡ ወደብ ፓራናጕዋ፡ ብራዚል እዩ ነይሩ።

እታ መርከብ ኣብ ፓራናጕዋ ኻብ እትዕሸግ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስሙ እናሓተቱ በቲ መተሓላለፊ መርከብ ምስ መጹ፡ ዋርሊቶ ደንጸዎ። ኣብ ቫንኮቨር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ነቲ ንኺብጻሕ ዘቕረቦ ጠለብ ከም ዝለኣኹሎም ከኣ ነገርዎ። ዋርሊቶ ነዞም ኣብ ብራዚል ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝረኸቦም ብዙሕ እዩ ተሓጒሱ፣ ዜድሊ ምድላዋት ስለ እተገብረ ኸኣ ልባዊ ምስጋናኡ ገለጸሎም። እታ መርከብ ቀጺላ ኣብ እትዓርፈሉ ወደብ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኪቕጽል ድማ ተሰማምዐ።