ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቦትስዋና ብዓይነቱ ኽቡር ነገራት ንምርኢት ቀሪቡ

ኣብ ቦትስዋና ብዓይነቱ ኽቡር ነገራት ንምርኢት ቀሪቡ

ካብ 22 ክሳዕ 28 ነሓሰ 2016፡ ኣብታ ብብዝሒ ዚርከበሉ ኣልማዝ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነ መዐደኒ ዘለዋ ቦትስዋና ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ ቦትስዋና ኮንስዩመር ፈየር እተሰምየ ምርኢት ብዓይነቱ ኽቡር ነገራት ንምርኢት ኣቕሪቦም። ሰደቓ ምርኢቶም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት፡ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ከምኡ ድማ ንድልዱል ርክብ ስድራ ቤት ዜተባባዕ ቪድዮታት ሒዙ ቐሪቡ ነይሩ።

ነቲ ሰደቓ ምርኢት ዝበጽሑ ወለድን ቈልዑን በቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸተውዕለሉ እትኽእል መገዲ ዚምህር ብካርቱን እተዳለወ ዓርኪ የሆዋ ኹን ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት ተመሲጦም እዮም። በቲ ሃገራዊ ቛንቋ ቦትስዋና ዝዀነ ሰትስዋንኛ ብካርቱን እተዳለወ ቪድዮታት ብዙሕ ስለ ዘይርከብ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ነቲ ቪድዮታት ብኸመይ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ሓተቱ።

እቶም ካብ ኵሉ ኵርናዓት እታ ሃገር ዝመጹ በጻሕቲ፡ ኣስታት 10,000 እተሓትመ ጽሑፋት ወሲዶም እዮም፣ 120 ሰባት ከኣ ብናጻ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ሓቲቶም እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ጉባኤታት እንግሊዝኛን ሰትስዋንኛን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ምርኢት ብሓደ ሰሚሮም ኪዓይዩ ብምርኣዮም ተመሲጦም እዮም።

ኣካየድቲ እቲ ምርኢት፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንዝቐረበ እተፈላለየ ሰደቓታት ምርኢት ድሕሪ ምግምጋሞም፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐዳማይ ደረጃ ሸለምዎም።