ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧

 ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ኢና፣ ንገዛእ ርእስና ግና ከም ፕሮተስታንት ኣይንቘጽራን ኢና። ስለምንታይ፧

 ፕሮተስታንትነት፡ “ንናይ ሮማ ካቶሊክ ዚቃወም ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ” ከም ዝዀነ ይግለጽ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኣይንሰማምዓሉን ኢና፣ ግናኸ፡ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት ንገዛእ ርእስና ኸም ፕሮተስታንት ኣይንቘጽራን ኢና፦

  1.   ብዙሕ እምነታት ፕሮተስታንት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ይጋጮ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ሓደ እዩ” ይብል እምበር፡ ስላሴ ኸም ዝዀነ ኣይምህርን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5፣ ዮሃንስ 14:28) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ብገሃነም እሳት ዘይኰነስ፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዚቐጽዖም እዩ ዚምህር።—መዝሙር 37:9፣ 2 ተሰሎንቄ 1:9

  2.   ንቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኰነ ንኻልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣይንቃወምን ወይ ክንሕድስ ኣይንጽዕርን ኢና። ብኣንጻሩ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽን ካልኦት ሰባት ኣብዚ ብስራት እዚ እምነት ምእንቲ ኼሕድሩ ኽንሕግዞም ንጽዕርን ኢና። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ንዓና ዜገድሰና፡ ንኻልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ምሕዳስ ዘይኰነስ፡ ንቕኑዓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ሓቂ ምምሃር እዩ።—ቈሎሴ 1:9, 10፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25