ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚረኽብዎ ወፈያታት ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚረኽብዎ ወፈያታት ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧

 እቲ እንረኽቦ ወፈያታት ንሃይማኖታውን ንግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ውድብና ንምድጋፍ ኢና እንጥቀመሉ። እዚ ንጥፈታት እዚ ኽፍሊ እቲ ቐንዲ ተልእኾና ዝዀነ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ናይ ምሕጋዝ ዕዮና እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

 እንረኽቦ ወፈያታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንምህብታም ኣይንጥቀመሉን ኢና። ደሞዝ ዚኽፈሎ ሽማግለ ወይ ቀሺ የብልናን፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ከይዶም ምእንቲ ኼገልግሉ ተባሂሉ እውን ኣይክፈሎምን እዩ። እቶም ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርናን ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትናን ዜገልግሉ ይኹኑ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ብዘይ ደሞዝ እዮም ዚዓይዩ።

ገለ ኻብ ንጥፈታትና

  •   ሕትመት፦ በብዓመቱ ብሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ካልእ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ንትርጕምን ንሓትምን ንልእኽን ንዝርግሕን ኢና፣ ነዚ ዅሉ ድማ ኣይነኽፍልን ኢና። ብተመሳሳሊ፡ እቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ዀነ ኣፕሊኬሽን JW Library ብዘይ ክፍሊት ወይ ብዘይ መወዓውዒታት እዩ ዲጂታዊ ጽሑፋትና ዚዝርግሕ።

  •   ህንጸትን ጽገናን፦ ጉባኤታትና ብሓባር ኪእከባን ንኣምላኽ ኪውድሳን ዜኽእለን ምሹእ ቦታታት ምእንቲ ኺረኽባ፡ ኣብ መላእ ዓለም ቦታታት ኣምልኾ ንሃንጽን ንጽግንን ኢና። ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉምን እውን ንሃንጽን ንጽግንን ኢና። መብዛሕትኡ እዚ ዕዮ እዚ ብወለንተኛታት እዩ ዚዕየ፣ እዚ ኸኣ ወጻኢታት ይንኪ እዩ።

  •   ምምሕዳር፦ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉምን እንገብሮ ንጥፈታት ኰነ ንጥፈታት እቶም ከም ገየሽቲ ኣገልገልቲ ዀይኖም ዚዓዩ፡ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ተባሂሉ ዚግበር ወፈያ እዩ ዚድገፍ።

  •   ስብከት፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ወይ ድማ ንኻልኦት ሰባት “ቃል ኣምላኽ” ንምምሃር ኣይክፈሉን እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:17) ግናኸ፡ ምስ ንጥፈታት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዚመሳሰል መገዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ንጥፈታት ስብከት ዜሕልፍዎ እተመርጹን ዝሰልጠኑን ኣገልገልቲ፡ መጠነኛ መንበርን ንህይወት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራትን ይውሃቦም እዩ።—ፊልጲ 4:16, 17፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:17, 18

  •   ትምህርቲ፦ ዓበይቲ ኣኼባታትና ብወፈያታት እዩ ዚድገፍ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደባት ኣውድዮን ቪድዮን እውን ነዳሉ ኢና። ሽማግለታትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ኣብ መዝነቶም ውጽኢታውያን ኪዀኑ ዚሕግዞም ኣብያተ ትምህርቲ እውን ነዳሉ ኢና።

  •   ዕዮ ረድኤት፦ ብባህርያዊ ዀነ ሰብ ብዜምጽኦ ሓደጋታት ንእተጠቕዑ፡ ምግብን ማይን መጽለልን ንህብ ኢና። እዚ ግብረ ሰናያዊ ዕዮ እዚ፡ “ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ኻልኦት እውን ይጠቅም እዩ።—ገላትያ 6:10