ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሞዝ ዚኽፈሎም ኣቕሽሽቲ ኣለውዎም ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሞዝ ዚኽፈሎም ኣቕሽሽቲ ኣለውዎም ድዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ስለ ዚስዕቡ፡ ቀሺ-ምእመናን ዚብሃል ክፍፍል የብሎምን። ኵሎም እተጠምቁ ኣባላት፡ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ዚሳተፉ መዝነት እተዋህቦም ኣገልገልቲ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣስታት መሚእቲ ዚዀኑ ኣባላት ብዘለውወን ጉባኤታት እተወደቡ እዮም። ብመንፈሳዊ ብስለት ዘለዎም ሰብኡት ድማ “ሽማግለታት” ኰይኖም የገልግሉ እዮም። (ቲቶስ 1:5) ነዚ ኸኣ ብዘይ ገለ ኽፍሊት እዮም ዚገብርዎ።