ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብየሱስ እመን”—ብየሱስ ምእማን ንድሕነት እኹል ድዩ፧

“ብየሱስ እመን”—ብየሱስ ምእማን ንድሕነት እኹል ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ክርስትያናት፡ የሱስ ስለ ሓጢኣት ደቂ ሰብ ከም ዝሞተ ይኣምኑ እዮም። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕነት ንምርካብ ግና የሱስ መድሓኒ ምዃኑ ኻብ ምእማን ንላዕሊ የድሊ። ንኣብነት፡ ኣጋንንቲ፡ የሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ድሕነት ዘይኰነስ፡ ጥፍኣት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ።—ሉቃስ 4:41፣ ይሁዳ 6

 ምእንቲ ኽድሕን፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

  •   የሱስ ስለ ሓጢኣትና ኢሉ ህይወቱ ኸም ዝሰውአ ኽትኣምን ኣሎካ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:30, 31፣ 1 ዮሃንስ 2:2) እዚ ድማ የሱስ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ኸም ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ዚብሎ ሓቂ ምዃኑ ምእማን የጠቓልል።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ፍለጥ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ንሓደ ሓላው እሱራት፡ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም” ከም ዝበልዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ “ቃል የሆዋ” a ኺምህርዎ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:31, 32) እዚ ኸኣ፡ እቲ ሓላው እሱራት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መሰረታዊ ፍልጠት ክሳዕ ዘይረኸበ፡ ብሓቂ ብየሱስ ኪኣምን ከም ዘይክእል ዚሕብር እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ልክዕ ፍልጠት ኬጥሪ ነይርዎ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

  •   ተነሳሕ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ግጉይ ኣረኣእያኻን ኣካይዳኻን ክትንሳሕ ወይ ብዙሕ ክትጕሂ ኣሎካ። ንስሓኻ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዜጕሂ ተግባራት ብምሕዳግን “ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ” ብምግባርን ንሰባት ግሁድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:20

  •   ተጠመቕ። (ማቴዎስ 28:19) የሱስ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዚዀኑ ኸም ዚጥመቑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሓላው እሱራት ተጠሚቑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:33) ብተወሳኺ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንእኩባት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ምስ መሃሮም ብዛዕባ ዝዀነ ነገር፡ “እቶም ነቲ ቓሉ ተሓጒሶም እተቐበልዎ ተጠምቁ” ዚብል ነንብብ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 2:40, 41

  •   ትእዛዛት የሱስ ሓሉ። (እብራውያን 5:9) እቶም ነቲ የሱስ ‘ዝኣዘዞም ኵሉ ዚሕልዉ’ ዘበሉ፡ ሰዓብቱ ምዃኖም ብኣነባብራኦም የርእዩ እዮም። (ማቴዎስ 28:20) ‘ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገበርቲ ቓል ይዀኑ እዮም።’—ያእቆብ 1:22

  •   ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር። (ማርቆስ 13:13) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ‘ተጻዋርነት የድልዮም’ እዩ። (እብራውያን 10:36) ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንትምህርትታት የሱስ ኣጸቢቑ ይሕሉን ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ይመላለስን ነይሩ እዩ፣ ካብታ ክርስትያን ዝዀነላ መዓልቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ድማ ብተጻዋርነት በዚ መገዲ እዚ ተመላሊሱ እዩ።—1 ቈረንቶስ 9:27

 ብዛዕባ “ጸሎት ሓጥእ” እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

 ኣብ ገሊኡ ሃይማኖታት፡ ሰባት ከም “ጸሎት ሓጥእ” ወይ “ጸሎት ድሕነት” ዝኣመሰለ ጸሎት ይጽልዩ እዮም። እቶም ነዚ ጸሎት እዚ ዚጽልዩ ንሓጢኣቶም ይእመኑ፡ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣቶም ከም ዝሞተ ዘለዎም እምነት ድማ ይገልጹ እዮም። የሱስ ናብ ልቦም ወይ ናብ ህይወቶም ኪኣቱ እውን ይልምኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዝርዝር ቃላት ዝቘመ “ጸሎት ሓጥእ” ዚብሃል ነገር ኣይጠቅስን ወይ ከምኡ ኢልና ኽንጽሊ ኣየተባብዕን እዩ።

 ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ሰብ “ጸሎት ሓጥእ” ምስ ኣቕረበ፡ ናይ ዘለኣለም ድሕነቱ ርግጽ ከም ዚኸውን ይኣምኑ። ኰይኑ ግና፡ ብጸሎት ጥራይ ድሕነት ውሑስ ኣይከውንን እዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ብቐጻሊ ጌጋታት ንገብር ኢና። (1 ዮሃንስ 1:8) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንሕድገት ሓጢኣቶም ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ዝመሃሮም። (ሉቃስ 11:2, 4) ብተወሳኺ ድማ፡ ገሊኦም ናይ ዘለኣለም ድሕነት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብምውዳቖም ወይ ካብ ኣምላኽ ብምርሓቖም ነቲ ተስፋ እቲ ስኢኖም እዮም። —እብራውያን 6:4-6፣ 2 ጴጥሮስ 2:20, 21

 “ጸሎት ሓጥእ” መበቈሉ ኻበይ እዩ፧

 ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ መበቈል “ጸሎት ሓጥእ” ኣይሰማምዑን እዮም። ገሊኦም፡ እቲ ልምዲ እቲ ኣብ እዋን ተሓድሶ ፕሮተስታንት ከም ዝማዕበለ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ “ጸሎት ሓጥእ” ኣብቲ ኣብ መበል 18ን 19ን ዘመን ዝነበረ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓሳት ኪዝውተር ከም ዝጀመረ ይኣምኑ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እዚ ልምዲ እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ የብሉን፣ ከም ሓቂ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጮ እዩ።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።