ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ይግብኦም ድዩ፧

ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ይግብኦም ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ግዴታ የብሎምን። ከመይሲ፡ በቲ ንሰንበት ምኽባር ዘየጠቓልል “ሕጊ ክርስቶስ” እዮም ዚግዝኡ። (ገላትያ 6:2፣ ቈሎሴ 2:16, 17) በዚ ርግጸኛታት ዝዀንና ስለምታይ ኢና፧ ፈለማ እስከ መበቈል በዓል ሰንበት እንታይ ምዃኑ ንርአ።

በዓል ሰንበት እንታይ እዩ፧

 እታ “ሰንበት” እትብል ቃል፡ “ምዕራፍ” ካብ ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት እያ። ንፈለማ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ንህዝቢ እስራኤል እተዋህቦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዛት ተጠቒሳ ትርከብ። (ዘጸኣት 16:23) ንኣብነት፡ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ራብዐይቲ፡ “ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ኽትሕልዋ ዘክር። ኵሉ ዕዮኻን ተግባርካን ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ግበር፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ” ትብል። (ዘጸኣት 20:8-10) መዓልቲ ሰንበት፡ ካብ ዓርቢ ዕራርቦ ኽሳዕ ቀዳም ዕራርቦ እያ እትቝጸር። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እስራኤላውያን ካብ ከባቢኦም ርሒቖም ኪኸዱ፡ ሓዊ ኺኣጕዱ፡ ዕንጨይቲ ኺኣርዩ፡ ወይ ጾር ዘበለ ኺጾሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 16:29፣ 35:3፣ ዘሁልቍ 15:32-36፣ ኤርምያስ 17:21) ንሕጊ ሰንበት ምጥሓስ ከኣ ብሞት እዩ ዜቕጽዕ ነይሩ።

 ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ፡ ካልኦት መዓልትታትን 7ይቲ ዓመትን መበል 50 ዓመትን እውን ሰናብቲ ተባሂለን ተጸዊዐን ኣለዋ። ኣብ ዓመታት ሰንበት፡ እታ ምድሪ ቓድራ ትሕደግ ነይራ እያ፣ እስራኤላውያን እውን ዕዳ ኪኸፍሉ ኣይግደዱን እዮም ነይሮም።—ዘሌዋውያን 16:29-31፣ 23:6, 7, 32፣ 25:4, 11-14፣ ዘዳግም 15:1-3

መስዋእቲ የሱስ ንሕጊ ሰንበት ስዒርዎ እዩ

ሕጊ ሰንበት ንክርስትያናት ዘይምልከቶም ስለምታይ እዩ፧

 ሕጊ ሰንበት፡ ነቶም ኣብ ሕጊ ሙሴ ንዝነበረ ኻልእ ትእዛዛት እውን ዚግዝኡ ዝነበሩ ህዝቢ ጥራይ እዩ ዚምልከቶም። (ዘዳግም 5:2, 3፣ ህዝቅኤል 20:10-12) ኣምላኽ ንኻልኦት ህዝቢ ንሰንበት ኬኽብሩ ትጽቢት ገይሩሎም ኣይፈልጥን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣይሁድ እውን ከይተረፉ ብመስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ካብቲ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዜጠቓልል ‘ሕጊ ሙሴ ተፈቲሖም’ እዮም። (ሮሜ 7:6, 7፣ 10:4፣ ገላትያ 3:24, 25፣ ኤፌሶን 2:15) ክርስትያናት ድማ ሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብሉጽ ናይ ፍቕሪ ሕጊ እዮም ዚስዕቡ።—ሮሜ 13:9, 10፣ እብራውያን 8:13

ብዛዕባ ሰንበት ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኺዓርፍ ከሎ፡ ሕጊ ሰንበት ኣቝሙ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ዝፈጠሮን ኪገብሮ ዝመደቦን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ይዓርፍ ስለ ዘሎ፡ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ይብለና። (ዘፍጥረት 2:3) እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ንደቂ ሰብ እተዋህበ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ኣብታ ሻውዐይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ከም ዝገበረ እያ እትገልጽ። ቅድሚ ግዜ ሙሴ በዓል ሰንበት ይብዓል ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ እስራኤላውያን ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምቕባሎም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሰንበት ነይሮም።

 ሓቂ፦ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ (ኣብ ከባቢ ኸረን ሲና) ምሳና ኺዳን ኣተወ” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ። እቲ ኺዳን ከኣ፡ ሕጊ ሰንበት እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 5:2, 12) ተመክሮ እስራኤላውያን ከም ዚሕብሮ፡ ሰንበት ንዓታቶም ሓድሽ ሕጊ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ካብቲ ግብጺ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሰንበት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ሰንበት ነቲ ኻብ ግብጺ ዝረኸብዎ ድሕነት ከመይ ኢሉ ኼዘኻኽሮም ይኽእል፧ (ዘዳግም 5:15) ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ማና ኸይኣርዩ ኺንገሮም መድለየዶ፧ (ዘጸኣት 16:25-30) ነቲ ናይ ፈለማ ጠሓስ ሕጊ ሰንበት እንታይ ከም ዚገብርዎ ዝጠፍኦምከ ስለምንታይ እዩ፧—ዘሁልቍ 15:32-36

 ግጉይ ርድኢት፦ ሰንበት ናይ ዘለኣለም ኪዳን ስለ ዝዀነ፡ ሕጂ እውን ኪኽበር ኣለዎ።

 ሓቂ፦ ገሊኦም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰንበት፡ “ናይ ዘለኣለም ኪዳን” ኢሎም እዮም ዚጠቕስዋ። (ዘጸኣት 31:16ትርጉም 1956) ይኹን እምበር፡ እታ “ናይ ዘለኣለም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ንዘይተወሰነ መጻኢ እዋን” እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ኣቢሉ ዘብቅዐ ኽህነት እስራኤላውያን ንምግላጽ ነታ ቓል እቲኣ እዩ ተጠቒሙ።—ዘጸኣት 40:15፣ እብራውያን 7:11, 12

 ግጉይ ርድኢት፦ የሱስ ሕጊ ሰንበት ይሕሉ ስለ ዝነበረ፡ ክርስትያናት እውን ኪሕልውዎ ኣለዎም።

 ሓቂ፦ የሱስ ሕጊ ሰንበት ኪሕሉ ዝነበሮ፡ ከም ኣይሁዳዊ መጠን ብትውልዱ ሕጊ ሙሴ ኺሕሉ ግዴታ ስለ ዝነበሮ እዩ። (ገላትያ 4:4) ይኹን እምበር፡ የሱስ ምስ ሞተ፡ ነቲ ንሕጊ ሰንበት እውን ዜጠቓልል ሕጊ ኺዳን ኣርሒቕዎ እዩ።—ቈሎሴ 2:13, 14

 ግጉይ ርድኢት፦ ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ ንሕጊ ሰንበት የኽብር ነይሩ።

 ሓቂ፦ ጳውሎስ ብሰንበት ኣብ ምኵራባት ይኣቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ኣይሁድ ሰንበት ኬኽብር ኢሉ ግና ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 13:14፣ 17:1-3፣ 18:4) የግዳስ፡ በጻሕቲ ተዛረብቲ ኣብ ምኵራብ ንእተኣከበ ህዝቢ መደረ ኬቕርቡ ይዕደሙ ብምንባሮም፡ ጳውሎስ ኣብቲ ምኵራባት ብስራት ኪሰብኽ ኢሉ እዩ ናብኡ ኸይዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:15, 32) ብሰንበት ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ፡ “ኵሉ መዓልቲ” እዩ ዚሰብኽ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:17

 ግጉይ ርድኢት፦ ናይ ክርስትያናት ሰንበት፡ እታ ጽባሕ ቀዳም ዘላ ሰንበት መዓልቲ እያ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ነታ ብኦሪት ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ዝዀነት ሰንበት (እሁድ) ከም መዓልቲ ዕረፍትን ኣምልኾን ገይሮም ኪውፍይዋ ኣይእዝዞምን እዩ። ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰንበት ከም ካልእ ናይ ስራሕ መዓልትታት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “ሰንበት ከም በዓል ኪብዓል ዝጀመረ፡ ኣብ 4ይ ዘመን [ኣረማዊ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ] ቆስጣንጢኖስ ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ኣብ ሰንበት ኪስራሕ ከም ዘይብሉ ምስ ኣወጀ እዩ።” a

 ሰንበት ፍሉይ መዓልቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ኽትሕሰብ ምኽንያት ዝዀነ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ “ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡” ማለት ሰንበት ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኸም እተመገበ ይገልጽ እዩ፣ ከምኡ ዝገበረ ግና፡ ንጽባሒቱ ይገይሽ ስለ ዝነበረ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:7) ብተመሳሳሊ፡ ንገሊአን ጉባኤታት “ኣብ ሰሰሙን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡” ማለት ሰንበት ንረድኤት ዚኸውን ገንዘብ ኣዋህሊለን ኬቐምጣ ተነጊርወን ነይሩ እዩ። እዚ ግና፡ ብሕታዊ ባጀት ንምውጻእ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ርእይቶ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ ዚዋጻእ ገንዘብ ድማ፡ ኣብ መአከቢ ቦታ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤት እዩ ዚቕመጥ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 16:1, 2

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣብ ሰሙን ንዕረፍትን ንኣምልኾን እትኸውን ሓንቲ መዓልቲ ምምዳብ ጌጋ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዓይነት ውሳነታት፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ባዕሉ ኺውስን እዩ ዚሓድጎ።—ሮሜ 14:5

a ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ ካልኣይ ሕታም፡ ጥራዝ 13፡ ገጽ 608 ርአ።