1 ቈረንቶስ 16:1-24

  • ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ክርስትያናት ዚኸውን ውጽኢት (1-4)

  • መደባት ጕዕዞ ጳውሎስ (5-9)

  • ጢሞቴዎስን ኣጵሎስን ኪበጽሑ እተገብረ መደብ (10-12)

  • ምዕዶን ሰላምታን (13-24)

16  ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ውጽኢት ከኣ፡+ ነቲ ንጉባኤታት ገላትያ ዝሃብክዎ መምርሒ ስዓቡ።  እቲ ምውጻእ ገንዘብ ኣነ ምስ መጻእኩ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ የቐምጥ።  ኣነ ምስ መጻእኩ ግና፡ ነቶም ብደብዳበታትኩም ዝሰመርኩምዎም ሰባት፡+ ነቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ኬብጽሑ ኽሰድዶም እየ።  ኣነ እውን ናብኡ ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀይኑ፡ ምሳይ ኪኸዱ እዮም።  ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሓለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣+  ናብቲ ዝኸዶ ምእንቲ ኸተፋንዉኒ፡ ምናልባት ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።  የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ፡ ገለ ግዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡+ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይደልን እየ።  ኣብ ኤፌሶን+ ግና ክሳዕ በዓል ጰንጠቈስጠ* ኽጸንሕ እየ፣  ከመይሲ፡ ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዙሓት ተጻረርቲ ኣለዉ። 10  ጢሞቴዎስ+ እንተ መጺኡ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ የሆዋ* ይዓዪ ኣሎ እሞ፡+ ምሳኻትኩም ብዘይ ስክፍታ ኸም ዚጸንሕ ግበሩ። 11  እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣይንዓቆ። ምስቶም ኣሕዋት እጽበዮ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ። 12  ብዛዕባ ኣጵሎስ+ ሓውና ኸኣ፡ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ተማሕጺነዮስ፡ ሕጂ ኺመጽእ ኣይደለየን፣ ምስ ጠዓሞ ግና ኪመጽእ እዩ። 13  ንቕሑ፡+ ኣብ እምነት ጽንዑ፡+ ሰብኡት ኩኑ፡*+ በርትዑ።+ 14  ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።+ 15  ኣሕዋተየ እዚ እምሕጸነኩም ኣለኹ፦ ቤተ ሰብ እስጢፋናስ በዅራት ኣካይያ ኸም ዝዀኑ፡ ንምግልጋል ቅዱሳት ከኣ ገዛእ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ትፈልጡ ኢኹም። 16  ንስኻትኩም እውን ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ዚተሓባበሩን ዚጽዕሩን ተገዝእዎም።+ 17  እስጢፋናስን+ ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለ መሊኦምዎ ስለ ዘለዉ፡ ኣብዚ ብምህላዎም ተሓጒሰ እየ። 18  ምኽንያቱ፡ ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣቕሲኖምዎ ኣለዉ። እምበኣር፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ፍለጥዎም። 19  እተን ጉባኤታት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስካን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ጉባኤ ዀይኖም፡+ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20  ኵሎም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። 21  እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22  ንጐይታና ዘይፈትዎ እንተሎ፡ ርጉም ይኹን። ኦ ጐይታና፡ ንዓ! 23  ጸጋ ጐይታና የሱስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24  ፍቕረይ ምስ ኵላትኩም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም ትኹን።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጰንጠቈስጠ” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ትብዑ።”