ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኸመይ ኢና እንጽሊ፧ ንጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ድዩ፧

ብኸመይ ኢና እንጽሊ፧ ንጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ ብልምዲ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ ብኸመይን ብዛዕባ እንታይን ከም እንጽሊ መምርሒ ትህበና እያ። እዛ ጸሎት እዚኣ፡ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ጐይታይ ምጽላይ ምሃረና’ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ዝሃቦም ናይ ኣብነት ጸሎት እያ። (ሉቃስ 11፡1) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ዚቕበሎ ጸሎት እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ጥራይ ኣይኰነን። a ኣብ ክንዳኡስ፡ እዛ ጸሎት እዚኣ፡ ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት እንታይ ምዃኑ ኼረድእ ኢሉ፡ የሱስ እተጠቕመላ ኣብነት እያ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት እንታይ ዝሓዘት እያ፧

 እታ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ተጠቒሳ ዘላ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት፡ ኣብ እተፈላለየ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ቓላት ተተርጒማ ኣላ። ነዚ ዚስዕብ ክልተ ኣብነታት ንርአ፦

 ትርጉም ሓዳስ ዓለም፦ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።”

 ትርጉም 1956፦ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።” b

 ትርጉም እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት እንታይ እዩ፧

 እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ምስ ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ካብ ኰነ፡ እቲ ኻልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንትርጉም ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ክንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና”

 ኣምላኽ ስለ ዝፈጠረናን ህይወት ስለ ዝሃበናን፡ “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ ግቡእ እዩ።—ኢሳይያስ 64:8

“ስምካ ይቀደስ”

 እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ከም ክቡርን ቅዱስን ጌርካ ኺርአ ይግባእ። ደቂ ሰብ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብምዝራብን ዕላማታቱ ንኻልኦት ብምንጋርን ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ግደ ኣለዎም።—መዝሙር 83:18፣ ኢሳይያስ 6:3

“መንግስትኻ ትምጻእ”

 መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሱስ ዝንጉሳ ሰማያዊት ምምሕዳር እያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ግዝኣታ ኣብ መላእ ምድሪ ምእንቲ ኸተስፍሕ፡ የሱስ ብዛዕባኣ ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15

“ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን”

 ከምቲ ኣብ ሰማይ እከይን ሞትን ዘየሎ፡ ደቂ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላምን ብደሓንን ኪነብሩ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 37:11, 29

“ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና”

 ኣብ ግዜ የሱስ፡ እንጌራ መዓልታዊ ምግቦም እዩ ነይሩ። ኣብ ህይወትና ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ዚህበና፡ ፈጣሪና ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25

“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና”

 ኵሎም ሰባት ስለ “ዝበደሉ” ወይ ስለ ዝሓጥኡ፡ ይቕረ ኺብሃለሎም የድልዮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ በደልና ኺሓድገልና ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንሕና ድማ ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 6:14, 15

“ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና”

 የሆዋ ኣምላኽ ብእኩይ ፈጺሙ ኣይፍትነናን እዩ። (ያእቆብ 1:13) እኳ ደኣስ፡ እቲ “እኩይ” ከምኡ ድማ “ፈታኒ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ዚፍትነና። (1 ዮሃንስ 5:19፣ ማቴዎስ 4:1-4) ሕማቕ ነገራት ክንገብር ክንፍተን ከለና፡ እዙዛት ኴንና ምእንቲ ኽንርከብ የሆዋ ኺሕግዘና ንልምኖ ኢና።

 እቲ እንኮ መገዲ ጸሎት፡ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ምድጋም ድዩ፧

 የሱስ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ከም ኣብነት እዩ ሂቡና። ቃል ብቓሉ ኺሽምደድ ዘለዎ ጸሎት ኣይኰነን። የሱስ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ቅድሚ ምምሃሩ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ብምባል መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ 6:7) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ናይ ኣብነት ጸሎት ኪምህር ከሎ፡ ፍልይ ዝበለ ቓላት እዩ ተጠቒሙ።—ሉቃስ 11:2-4

 እቲ ዝበለጸ ጸሎት ካብ ልቢ ዝነቐለ ኪኸውን ከሎ እዩ።—መዝሙር 62:8

 ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

 እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ ኣምላኽ ብዚሰምዖ መገዲ ኽትጽሊ እትሕግዝ ኣብነት እያ። እዛ ጸሎት እዚኣ፡ ምስ ካልእ ብዛዕባ ጸሎት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትሰማማዕ ኣስተብህል።

  •   ናብ ኣምላኽ ጥራይ ጸሊ

     ጥቕሲ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር . . . ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:6

     ትርጉሙ፦ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ናብ የሱስ፡ ናብ ማርያም፡ ወይ ናብ ካልኦት ቅዱሳት ኪቐርብ የብሉን። እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ “ኣቦና” ኢላ ምጅማራ፡ ጸሎትና ናብ የሆዋ ጥራይ ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ ዘርኢ።

  •   ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ጸሎት ኣቕርብ

     ጥቕሲ፦ “ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:14

     ትርጉሙ፦ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ “ፍቓድካ . . . ይኹን” ብምባል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣገዳሲ ምዃኑ ምሂሩና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰባትን እንታይ ምዃኑ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

  •   ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ጸሊ

     ጥቕሲ፦ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።”—መዝሙር 55:22

     ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ይግደስ እዩ። ከምቲ የሱስ ብብሕቲ ዜድልየና ነገራት ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ዘጠቓለለ፡ ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ በብመዓልቱ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ኪህበና፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኪመርሓና፡ ኣብ ግዜ ጸገምና ኺሕግዘና፡ ከምኡ እውን ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። c

a ንኣብነት፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብታ ናይ ኣብነት ጸሎት ንዘሎ ቓላት ከይተጠቕሙ ኻልእ ጸሎት ኣቕሪቦም እዮም።—ሉቃስ 23:34፣ ፊልጲ 1:9

b ከም ትርጉም 1956 ዝኣመሰለ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት፡ “መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን” ብዚብል ቃል ውዳሰ ይዛዝማ። ጀሮም ቢብሊካል ኮመንታሪ እተባህለ ግና፡ “እቲ ቓላት ውዳሰ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ኢደ ጽሑፍ ኣይርከብን እዩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።

c እቶም ምሕረት ኣምላኽ ከም ዜድልዮም ዚፈልጡ ሰባት ኺጽልዩ ዘይበቕዑ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። የሆዋ ግና፡ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፦ “ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ብምባል ይዕድሞም እዩ። (ኢሳይያስ 1:18) ብቕንዕና ምሕረቱ ንዚሓትት ሰብ ኣይነጽጎን እዩ።