ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ተቐዪሩ ወይ መልእኽቱ ተጠውዩ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ተቐዪሩ ወይ መልእኽቱ ተጠውዩ ድዩ፧

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ዚበላሾ ናውቲ ጽሕፈት ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተቐድሐ፡ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እተገብረ ንጽጽር ግና መልእኽቱ ኸም ዘይተቐየረ የረጋግጽ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕዳሕ ከሎ ዝዀነ ጌጋ ኣይተፈጸመን ማለት ድዩ፧

 ብኣሽሓት ዚቝጸር ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተረኺቡ እዩ። ገለ ኻብዚ እተወሰነ ፍልልይ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ምቕዳሕ ጌጋታት ከም እተፈጸመ የርኢ። መብዛሕትኡ እዚ ፍልልያት እዚ ንኣሽቱ እዩ፡ ንትርጉም እቲ ጽሑፍ እውን ኣይልውጥን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሒደት ዓበይቲ ፍልልያት ተረኺቡ እዩ፣ ገለ ኻብዚ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥዋይ ኰነ ኢልካ እተገብረ ፈተነ እዩ ዚመስል። ክልተ ኣብነት ንርአ፦

  1.   ገሊኡ ናይ ቀደም ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7፡ “ኣብ ሰማይ፡ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም እውን ሓደ እዮም” ይብል ነይሩ። ግናኸ፡ ዜተኣማምን ኢደ ጽሑፋት፡ እዘን ቃላት እዚአን ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዘይነበራ የረጋግጽ እዩ። ጸኒሐን እተወሰኻ እየን። a በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዜተኣማምን ዘመናዊ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ቃላት ኣውጺእወን እዩ።

  2.   ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስም እዚ ብኸም “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ዚብል መዓርጋት ተኪእዎ እዩ

ኣብ መጻኢ ብዙሕ ካልእ ጌጋታት ከም ዘይርከብ ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

 ክሳዕ እዚ ግዜና ኣዝዩ ብዙሕ ኢደ ጽሑፋት ተረኺቡ ስለ ዘሎ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ጌጋታት ንምልላይ ዝቐለለ ዀይኑ እዩ። b እሞ ደኣ እዚ ጽሑፋት እዚ ኺነጻጸር ከሎ፡ ብዛዕባ ልክዕነት እዚ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ገሊጹ፧

  •   ዊልያም ሄንሪ ግሪን እተባህለ ምሁር ብዛዕባ እቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚብሃል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለ።

  •   ፍረደሪክ ፋይቪ ብሩስ ዚብሃል ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ዚድግፍ መርትዖ፡ ካብቲ ሓቅነቱ ፈጺምካ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ሓያሎ ጽሑፋት ክላሲካዊ ደረስቲ ኣጸቢቑ ይዛይድ” በለ።

  •   ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ዚብሃል ፍሉጥ ዝዀነ ምሁር ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ሰብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኸይጐደሎ ንዘመናት ካብ ወለዶ ንወለዶ እተሰጋገረ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ሒዙ ኸም ዘሎ ብዘይ ፍርሂ ወይ ጥርጣረ ኺዛረብ ይኽእል እዩ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ከም እተመሓላለፈ ኽንተኣማመን ዜኽእለና እንታይ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎና፧

  •   ኣይሁድ ኰኑ ክርስትያናት ቀዳሕቲ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝፈጸምዎ ዓበይቲ ጌጋታት ዜቃልዕ ጸብጻባት ዓቂቦምዎ እዮም። c (ዘሁልቍ 20:12፣ 2 ሳሙኤል 11:2-4፣ ገላትያ 2:11-14) ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ንዘይተኣዛዝነት ኣይሁድ ዚዅንን፡ ብሰብ ንዝቘመ ሰረተ እምነታት ድማ ዜቃልዕ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዓቂቦምዎ እዮም። (ሆሴእ 4:2፣ ሚልክያስ 2:8, 9፣ ማቴዎስ 23:8, 9፣ 1 ዮሃንስ 5:21) እዞም ቀዳሕቲ እዚኦም፡ ነዚ ጸብጻባት ብልክዕ ብምቕዳሖም፡ እሙናት ከም ዝዀኑን ንቓል ኣምላኽ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዘለዎምን ኣርእዮም እዮም።

  •   እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ኸም ዚጽሓፍ ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚዕቅቦ ትጽቢት ክንገብርዶ ኣይግባእን፧ d (ኢሳይያስ 40:8፣ 1 ጴጥሮስ 1:24, 25) ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ቀደም ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዞም ሎሚ ዘሎና እውን ኪጠቕመና እዩ ዕላማኡ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ከም ሓቂ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

  •   የሱስን ሰዓብቱን ብዛዕባ ልክዕነት ጥንታዊ ጽሑፍ ከይተሰከፉ ኻብ ቅዳሓት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቒሶም እዮም።—ሉቃስ 4:16-21፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:1-3

a እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ኮዴክስ ሲና፡ ኮዴክስ እስክንድርያ፡ ኢደ ጽሑፍ ቫቲካን 1209፡ በዅሪ ናይ ላቲን ቩልጌት፡ ናይ ሱርስት ትርጉም ፊሎክሲኖስን ሃርከልን፡ ወይ እውን ኣብ ናይ ሱርስት ፐሺታ ኣይርከባን እየን።

b ንኣብነት፡ ልዕሊ 5,000 ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ እቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተረኺቡ እዩ።

c መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወኪላት ኣምላኽ ንዝዀኑ ሰባት፡ ፍጹማት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኣይገልጾምን እዩ። “ዘይብድል ሰብ የልቦን” ብምባል እውን ይእመን እዩ።—1 ነገስት 8:46

d መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓል እናተዛረበ ኸም ዘጽሓፎ ዚገልጽ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንሓሳባት እቶም ሰብኣውያን ጸሓፍቲ ግና መሪሕዎ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ 2 ጴጥሮስ 1:21