ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሶራውያን ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ቀድሕዎ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን

ዜስግእ ኵነታት፦ ከም ምምሽማሽን ምጽራርን ዝኣመሰለ ብግዳም ዚመጽእ ኣስጋኢ ነገራት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣየጥፍኦን። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ቀዳሕትን ተርጐምትን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠውይዎ ፈቲኖም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ክንዲ ንሰረተ እምነቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሰማምዕዎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰረተ እምነቶም ከም ዚሰማማዕ ገይሮም ኪጠውይዎ ፈቲኖም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ፦

  • ቦታ ኣምልኾ፦ ካብ ራብዓይ ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጸሓፍቲ ጰንጠጤቝ (ኦሪት) ሳምራውያን ኣብ ዘጸኣት 20፡17፡ “ኣብ ኣርጌሪዚም። ኣብኡ እውን መሰውኢ ስራሕ” ዚብላ ቓላት ወሰኹ። በዚ ኸምዚ፡ ሳምራውያን ነቲ ኣብ “ኣርጌሪዚም” ወይ “ከረን ጌሪዚም” ዝሃነጽዎ ቤተ መቕደስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚድግፎ ገይሮም ኬቕርብዎ ፈተኑ።

  • ሰረተ እምነት ስላሴ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ 300 ዓመት ጸኒሑ፡ ሓደ ኣብ ስላሴ ዚኣምን ጸሓፊ ንቐዳማይ ዮሃንስ 5:7፡ “ኣብ ሰማይ፡ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም እውን ሓደ እዮም” ዚብላ ቓላት ወሰኸላ። እዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ኣይነበረን። ብሩስ ሚትስገር ዚብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝሓበሮ፡ እዘን ቃላት እዚአን “ካብ ሻድሻይ ዘመን ንደሓር፡ ኣብ ኢደ ጽሑፋት ላቲንን [ናይ ላቲን] ቩልጌትን ብተደጋጋሚ ኺርከባ ጀመራ።”

  • መለኮታዊ ስም፦ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማሪታዊ እምነት ኣይሁድ ተመርኲሶም፡ ንመለኮታዊ ስም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓኺኾም ኬውጽእዎ ወሲኖም እዮም። ነዚ ስም እዚ ድማ ብኸም “ኣምላኽ” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋት ተክእዎ፣ እዚ መግለጺታት ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰባት፡ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚውክሉ ነገራት፡ ንድያብሎስ እውን ከይተረፈ ንምጽዋዕ ይዕየየሉ እዩ።—ዮሃንስ 10:34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6፣ 2 ቈረንቶስ 4:4 *

መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉ መገዲ፦ ቀዳማይ፡ ገሊኦም ቀዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሸለልተኛታት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን መታለልቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዙሓት ካልኦት ግና ኣዝዮም ክኢላታትን ጥንቁቓትን እዮም ነይሮም። ማሶራውያን ካብ ሻድሻይ ክሳዕ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብቲ ጽሑፍ ማሶራውያን ተባሂሉ ዚፍለጥ ጽሑፍ ቀድሕዎ። ዝዀነ ይኹን ጌጋ ኸም ዘይተገብረ ንምርግጋጽ ነቲ ቓላትን ፊደላትን ይቘጽርዎ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ኣብ ገሊኡ ኽፋል እቲ ኸም መሰረት እተጠቕሙሉ ጽሑፍ ጌጋታት ከም ዘሎ እንተ ኣጠራጢርዎም ድማ ኣብ ሕድጋት እቲ ጽሑፎም ምልክት ይገብሩሉ ነበሩ። ማሶራውያን ንጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢደ ዋኒኖም ኪተናኽፍዎ ኣይደለዩን። ሞሸ ጐሸን ጎተስቲን ዚብሃል ፕሮፌሰር፡ “ኣብቲ ጽሑፍ ኰነ ኢልካ ለውጢ ምግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ገበን ከም ምፍጻም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም” በለ።

ካልኣይ፡ እቲ ሎሚ ዘሎ ሓያሎ ኢደ ጽሑፋት፡ ንምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ንኸለልዩ ይሕግዞም እዩ። ንኣብነት፡ ንዘመናት ዚኣክል፡ መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ብላቲን እተዳለወ ቕዳሓቶም፡ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ እዮም ዚምህሩ ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7፡ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ኣቐዲሙ እተገልጸ ሓቅነት ዘይብሉ ቓላት ወሰኹሉ። እዚ ጌጋ እዚ፡ ኣብቲ ጸላዊ ዝዀነ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚብሃል ትርጉም እንግሊዝኛ እውን ሰሊኹ ኣትዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልእ ርኽበታት ኢደ ጽሑፋት እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ብሩስ ሚትስገር፡ “እቲ [ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 ዚርከብ] ጽሑፍ፡ ኣብ ላቲን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት (ሱርስት፡ ቁብጥኛ፡ ኣርመንኛ፡ ግእዝ፡ ዓረብኛ፡ ስላቭኛ) ኣይርከብን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እተኸለሰ ሕታማት ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ኰነ ኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳት ነዚ ሓቅነት ዘይብሉ ሓረግ ኣውጺኦምዎ እዮም።

ቸስተር ቢቲ P46፡ ኣብ ከባቢ 200 ድ.ክ. ናይ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ጳጲሮስ

ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተዓቀበ ዜርኢ መርትዖ የቕርብ ድዩ፧ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ብ1947 ምስ ተረኽበ፡ ምሁራት ንጽሑፋት እብራይስጢ ማሶራውያን ምስቲ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጽሓፍ ቅዱስ ኬወዳድርዎ ኽኢሎም እዮም። ሓደ ኣባል ኣሰናዳእቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ሓንቲ ጥቕላል፡ “እቲ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ ብኢድ ኣይሁድ ቀዳሕቲ እተመሓላለፈ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ፡ ኣዝዩ ዜተኣማምንን ብጥንቃቐ እተቐድሐን ከም ዝዀነ፡ ኣሉ ዘይብሃሎ መርትዖ እያ እተቕርብ” ብምባል ደምደመ።

እቲ ኣብ ዱብሊን፡ ኣየርላንድ፡ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ 100 ዓመት ጥራይ ጸኒሑ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፋት ዜጠቓልል፡ ዳርጋ ንዅሉ መጻሕፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚውክል እኩብ ጳጲሮስ የቕርብ እዩ። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ፡ “እዚ ጳጲሮስ ብዙሕ ሓድሽ ሓበሬታ ዜቕርብ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ለውጢ ኸም ዘይነበረ እውን ኣርእዩ እዩ” በለ።

“ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ”

እተረኽበ ውጽኢት፦ ዕድመን ብዝሕን ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ዜበላሽዎ፡ ዝያዳ ኸም ዚመሓየሽ እዩ ገይርዎ። ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ዚብሃል ምሁር ብዛዕባ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ “ከምዚ መጽሓፍ እዚ ዝበለ ንጽሑፉ ዚድግፍ ኣዝዩ ብዙሕ ጥንታዊ ምስክርነት ዘለዎ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። ዝዀነ ምሁር ነዚ ናባና በጺሑ ዘሎ ጽሑፍ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጽልዋ ኺርእዮ ኸሎ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ኸም ዝዀነ ኣይክሕድን እዩ” በለ። ዊልያም ግሪን ዚብሃል ምሁር ድማ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለ።

^ ሕ.ጽ. 6 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4ን ሀ5ን ርአ፣ ኣብ www.pr418.com/ti እውን ይርከብ እዩ።