ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣምላኽ ብእተፈላለዩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ መንነት እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚልለየሉ ዝርዝር ነገራት ኣጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ገዛኢ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዚኸውን፦

  • ብኣምላኽ እተሓርየ። “ኣነ . . . ንጉሰይ ሸይመ ኣለኹ። . . . ኣህዛብ ውርስኻ ገይረ፡ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ርስትኻ ገይረ ኽህበካ እየ።”—መዝሙር 2:6, 8

  • ወራሲ ንጉስ ዳዊት። “ውሉድሲ ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና፣ . . . ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺስርታን ኬጽንዓን፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱንሲ፡ ንዕቤት ግዝኣቱን ንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6, 7

  • ኣብ ቤት-ልሄም እተወልደ። “ኣቲ ቤት-ልሄም . . . ካባኺ እቲ . . . ገዛኢ ዝዀነለይ . . . ኪወጽእ እዩ። . . . ዕቤቱ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኺበጽሕ እዩ።”—ሚክያስ 5:2, 4

  • ብሰብ እተናዕቀን እተቐትለን። “ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን። ንሱ ግና ምእንቲ ኣበሳና ተወጊኡ፣ ምእንቲ ስሕተትና ተጨፍሊቑ።”—ኢሳይያስ 53:3, 5

  • ካብ ምዉታት ዝተንስአን ክብሪ እተዋህቦን። “ንዓይ ኣብ መቓብር ኣይትሓድገንን ኢኻ። እሙንካ ጕድጓድ ኪርኢ እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ። . . . ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ።”—መዝሙር 16:10, 11

የሱስ ክርስቶስ—ብቕዓታት ዜማልእ ብሉጽ ገዛኢ

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ነዚ መግለጺ እዚ ዚበቅዕ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ሓደ መልኣኽ ንማርያም ኣደ የሱስ፡ “ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ . . . መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” ኢልዋ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 1:31-33

የሱስ ኣብ ምድሪ ገዛኢ ዀይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ንደቂ ሰብ ኪገዝእ። እንታይ ደኣ እዩ ብሉጽ ገዛኢ ዚገብሮ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ።

  • የሱስ ንሰባት ሓልዩሎም። የሱስ ንሰብኡትን ንኣንስትን፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን ድሕረ ባይታኦም ወይ ደረጃኦም ብዘየገድስ ሓጊዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 9:36፣ ማርቆስ 10:16) ሓደ ድዉይ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ምስ ለመኖ፡ የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ ኣሕውይዎ እዩ።—ማርቆስ 1:40-42

  • የሱስ ብኸመይ ንኣምላኽ ባህ ከም እነብሎ ምሂሩና። “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ከምቲ ኻልኦት ኪገብሩልና እንደልዮ ኽንገብረሎም እውን ምሂሩ እዩ፣ እዛ ስርዓት እዚኣ ድማ ወርቃዊት ሕጊ ትብሃል። ብዘይካዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ተግባርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሓሳባትናን ስምዒታትናን እውን ከም ዚግደስ ሓቢሩ እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዚስምዓና ስምዒት እውን ክንቈጻጸሮ ኣሎና። (ማቴዎስ 5:28፣ 6:24፣ 7:12) ብሓቂ ሕጉሳት ንምዃን ከኣ፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኽንፈልጥን ክንገብሮን ኣሎና።—ሉቃስ 11:28

  • የሱስ ብኸመይ ከም እነፍቅር ምሂሩና። ቃላትን ግብርታትን የሱስ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ፡ ልቢ ሰማዕቱ ይትንኪ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣ ከመይሲ፡ . . . ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ” ይብል እዩ። (ማቴዎስ 7:28, 29) “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ እውን ምሂርዎም እዩ። ንገለ ኻብቶም ብሞቱ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት እኳ ኸይተረፈ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸልዩሎም እዩ።—ማቴዎስ 5:44፣ ሉቃስ 23:34

የሱስ ንሰባት ዚሕግዝን ዚልውህን ንፉዕ ገዛኢ ዓለም ንምዃን ዜድሊ ብቕዓታት ምሉእ ብምሉእ የማልእ እዩ። መዓስ ግና እዩ ኺገዝእ ዚጅምር፧