ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውቃጦ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውቃጦ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ውቃጦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ ኣብ ዘሌዋውያን 19:28 እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብኡ ድማ፡ “ኣብ ሰብነትኩም . . . ውቃጦ ኣይትግበሩ” ዚብል ነንብብ። ኣምላኽ ነዚ ትእዛዝ እዚ፡ ንህዝቢ እስራኤል እዩ ሂብዎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብቶም ኣብ ሰብነቶም ስማት ወይ ምልክታት ኣማልኽቶም ዚውቀጡ ዝነበሩ ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ኣህዛብ እተፈልዩ ዀይኖም ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 14:2) እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ንክርስትያናት ዚቕይድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ሕጊ እቲ እተዋህበሉ መሰረታዊ ስርዓት ግና ብርዝነት ኪሕሰበሉ ኣለዎ።

ሓደ ክርስትያን ኣብ ሰብነቱ ውቃጦ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ኪገብርሲ ግቡእ ድዩ፧

 እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጕዳይ ክትሓስበሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  •   ‘ኣንስቲ ብትሕትና ይሰለማ።’ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንኣንስትን ንሰብኡትን ብዘይ ኣፈላላይ ይምልከት እዩ። ስለዚ፡ ስምዒት ካልኦት ሰባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና፣ ናብ ርእስና ዘየድሊ ኣቓልቦ ዚስሕብ ነገር ከኣ ክንገብር የብልናን።

  •   ገሊኦም ሰባት ናይ ርእሶም መንነት ከም ዘለዎም ወይ ናጻ ምዃኖም ኬርእዩ ይውቀጡ እዮም፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ሰብነቶም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኼርእዩ ይውቀጡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንክርስትያናት፡ “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ” ኢሉ የተባብዖም እዩ። (ሮሜ 12:1) እምበኣር፡ ስለምንታይ ክትውቀጥ ከም ዝደለኻ፡ ‘ብኣእምሮኻ’ ተጠቒምካ መርምር። ዘመን ኣምጽኦ ኽትስዕብ ወይ ኣባል ገሊኦም ጕጅለ ምዃንካ ኸተርኢ እንተ ዀይኑ፡ ደሓር ሓሳብካ ምስ ቀየርካ እቲ ውቃጦ ኺድምሰስ ከም ዘይክእል ኣይትረስዕ። ንውሽጣዊ ድራኸኻ ምምርማርካ፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 4:7

  •   “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።” (ምሳሌ 21:5) መብዛሕትኡ ግዜ ውቃጦ ምግባር ተሃዊኽካ እዩ ዚውሰን፣ ኣብ ርክባትን ኣብ ስራሕን ግና ነዊሕ ጽልዋ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ውቃጦ ንምድምሳሱ ኽቡር ዝዋጋኡን ዜሳቕን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ከምኡ እውን ምድምሳስ ውቃጦ ብፍጥነት እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ንግዲ ምዃኑ ኸም ዜመልክቶ፡ ውቃጦ ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ብውሳነኦም ይጥዓሱ እዮም።