ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጸባበቕን ስልማትን እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጸባበቕን ስልማትን እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ስልማት ወይ ካልእ ዓይነት መጸባበቒ ምግባር ግና ኣይኵንንን እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣካላዊ ትርኢት፡ ኣብቲ “ዘይሓልፍ ስልማት” ዝዀነ “ህዱእን ልኡምን መንፈስ” ከነተኵር እዩ ዜተባብዓና።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4

ደጋዊ ስልማት ኣይተዀነነን

  •   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ እሙናት ኣንስቲ ይስለማ ነይረን እየን። እታ ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም እተመርዓወት ርብቃ፡ ካብቲ ናይ መጻኢ ሓሙኣ ኸም ውህበት እተዋህበቶ ናይ ኣፍንጫ ቐለቤት ወርቅን ኣምባር ወርቅን ካልእ ክቡር ስልማትን ትገብር ነይራ እያ። (ዘፍጥረት 24:22, 30, 53) ብተመሳሳሊ፡ ኣስቴር ንግስቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ክትከውን ክትዳሎ ኸላ፡ “ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን” ተቐቢላ እያ። (ኣስቴር 2:7, 9, 12) እዚ ኽንክን እዚ፡ “ኵሕለ ምሕሊ” ወይ “እተፈላለየ ዓይነት መጸባበቒ” የጠቓልል ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ።—ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፣ ኢዚ ቱ ሪድ ቨርሽን።

  •   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌታት፡ ንስልማት ኣወንታዊ ምንጽጻር ንምግባር ይጥቀመሉ እዩ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ምኽሪ ዚህብ ሰብ፡ ‘ንእትሰምዕ እዝኒ፡ ከም ቀለቤት ወርቂ’ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 25:12) ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ነቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝገበረሎም ክንክን ምስቲ ንመርዓቱ ብኣንባርን ብድርን ብኵትሻን ዚስልማ ሰብኣይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እቲ ስልማት እቲ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ‘ኣዝዩ ጽቡቕ’ ከም ዚኸውን ገይርዎ ነበረ።—ህዝቅኤል 16:11-13

ብዛዕባ መጸባበቕን ስልማትን ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:3፡ “ቍኖ ጸጕርን ስልማት ወርቅን” ይዅንን እዩ።

 ሓቂ፦ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ውሽጣዊ ጽባቐ ምስ ጽቡቕ ትርኢት ወይ ስልማት ኪነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ከም ዝዀነ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 3:3-6) ከምዚ ዝኣመሰለ ንጽጽር ኣብ ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይርከብ እዩ።—1 ሳሙኤል 16:7፣ ምሳሌ 11:22፣ 31:30፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10

 ግጉይ ርድኢት፦ እታ እክይቲ ንግስቲ ዝነበረት ኢዛቤል፡ “ኣዒንታ ብዅሕሊ ተዃሒላ” ምንባራ፡ መጸባበቒ ምግባር ጌጋ ምዃኑ ዜርኢ እዩ።—2 ነገስት 9:30

 ሓቂ፦ እታ ኣስማት እትገብርን ሰባት እትቐትልን ዝነበረት ኢዛቤል፡ ብትርኢታ ዘይኰነስ፡ ብሰሪ እኩይ ተግባራታ እያ ተፈሪዳ።—2 ነገስት 9:7, 22, 36, 37