ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ሓገዝ

ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ሓገዝ

 ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ዚወርድ ዓመጻ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ዜድልዮ ብደረጃ ዓለምለኸ፡ ጸገም ጥዕና ዘስዓበ ተመሓላላፊ ሕማም” እዩ ይብል። እቲ ውድብ ከም ዝሓበሮ፡ “መጻምድቲ ኻብ ዘለውወን ኣንስቲ፡ ኣስታት 30 ሚእታዊት ዝዀና ብመጻምድተን ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጻ ወይ ክልቲኡ የጋጥመን እዩ።” ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዚሕብሮ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ዓመት፡ መዓልታዊ 137 ዝዀና ኣንስቲ ብመጻምድተን ወይ ብኻልእ ኣባል ስድራ ቤተን ይቕተላ እየን። a

 ጸብጻባት፡ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ዓቢዪ ጸገም ከም ዝዀነ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ግዳይ ዚስምዖ ስምዒታውን ኣካላውን ስቓይ ግና ኣይገልጽን እዩ።

 ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጻ ዲኺ፧ ወይ ድማ ዘቤታዊ ዓመጻ ዘጋጠማ ትፈልጢዶ፧ ነዚ ኺሕግዘኪ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስዒቡ ዘሎ ነጥብታት ርኣዪ።

  ዘቤታዊ ዓመጻ እንተ ኣጋጢሙኪ ናትኪ ጌጋ ኣይኰነን

  ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

  በይንኺ ኣይኰንክን

  ዘቤታዊ ዓመጻ ኼብቅዕ እዩ

  ዘቤታዊ ዓመጻ ንዘጋጠማ ብኸመይ ክትሕግዚ ትኽእሊ፧

 ዘቤታዊ ዓመጻ እንተ ኣጋጢሙኪ ናትኪ ጌጋ ኣይኰነን

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12

 ነዚ ዘክሪ፦ በዚ ተግባራት ተሓታቲ ዚኸውን እቲ ዝዓመጸኪ ሰብ እዩ።

 መጻምድትኺ በቲ ዝወረደኪ ጕድኣት እንተ ወቒሱኪ ተጋግዩ እዩ። ኣንስቲ ኺፍቀራ ደኣ እምበር፡ ኪዕመጻ የብለንን።—ቈሎሴ 3:19

 ሓድሓደ ግዜ፡ ተግባራት እቲ ዓማጺ፡ ብኣእምሮኣዊ ሕማም፡ ብድሕረ ባይታ ስድራ ቤት ወይ ከኣ ብምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንተግባራቱ ኣምላኽ ኪፈርዶ እዩ። ነዚ ሕማቕ ተግባራቱ ኪቕይር ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ንሱ እዩ።

 ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።”—ምሳሌ 15:22

 ነዚ ዘክሪ፦ ድሕንነት እንተ ዘይተሰሚዑኪ ወይ እትገብርዮ እንተ ጠፊኡኪ ኻልኦት ኪሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።

 ካብ ካልኦት ሓገዝ ዜድልየኪ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገም እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ንኽትዋጽእሉ ኽትውስኒ ኸለኺ፡ ካብዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ንኣየናይ ከም እተቐድሚ ኼተሓሳስበኪ ይኽእል እዩ፦

  •   ብሕታዊ ድሕንነትኪ

  •   ንደቅኺ ዜድልዮም ዝሓሸ ኣየናይ ከም ዝዀነ

  •   ገንዘባዊ ዓቕምኺ

  •   ንመጻምድትኺ ዘሎኪ ፍቕሪ

  •   መጻምድትኺ ነቲ ሕምቕ ተግባሩ እንተ ቐይሩ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎኪ ርክብ ከተሐድስዮ ዘሎኪ ድሌት

 ክትጭነቕን እትገብርዮ ኺጠፍኣክን ይኽእል እዩ። መን ኪሕግዘኪ ይኽእል፧

 ሓንቲ እምንቲ ፈታዊት ወይ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት፡ ግብራውን ስምዒታውን ደገፍ ኪህቡኺ ይኽእሉ እዮም። ንዝሓልየልኪ ሰብ ምዝራብኪ፡ ብዙሕ ኪሕግዘኪ ይኽእል እዩ።

 ዘቤታዊ ዓመጻ ንዜጋጥሞም ናብ ዚሕግዙ ምስ እትድውሊ፡ ቀልጢፎም ኪሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም። እዞም ኣብዚ ዚዓይዩ ሰባት ንርእስኺ ብኸመይ ከም እትከላኸልላ ኺሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም። መጻምድትኺ ዘለዎ ጸገም እንተ ተኣሚኑን ተግባራቱ ንምቕያር ልባዊ ድሌት እንተ ኣልይዎን፡ እቶም ኣብዚ ትካል ዚዓይዩ ሰራሕተኛታት ኪገብሮ ዘለዎ ቐዳማይ ስጕምቲ ኺነግርዎ ይኽእሉ እዮም።

 ኣብ ሓደጋ እንተ ኣሊኺ ህጹጽ ሓገዝ ናብ ዚህቡ ትካላት ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እዞም ኣብዚ ዚዓይዩ ውልቀ ሰባት ሓካይም፡ ኣለይቲ ሕሙማት ወይ ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ሕክምና ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

 በይንኺ ኣይኰንክን

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “የሆዋ b ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18

 ነዚ ዘክሪ፦ ኣምላኽ ኪሕግዘኪ ቓል ኣትዩ እዩ።

 የሆዋ ኣጸቢቑ ይሓልየልኪ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣብ ውሽጥኺ ዘሎ ሓሳባትን ስምዒታትን ይርድኦ እዩ። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኼጸናንዓኪ ይኽእል እዩ። ናብኡ ኽትጽልዪ ድማ ዓዲሙኪ ኣሎ። ክትጽልዪ ኸለኺ፡ ነቲ ዘጋጠመኪ ዅነታት ምእንቲ ኽትዋጽእሉ፡ ጥበብን ብርታዐን ኪህበኪ ኽትሓትትዮ ትኽእሊ ኢኺ።—ኢሳይያስ 41:10

 ዘቤታዊ ዓመጻ ኼብቅዕ እዩ

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ሚክያስ 4:4

 ነዚ ዘክሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ብሰላም ዚነብረሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ የተስፉ እዩ።

 ንዅሉ ጸገማትና ፍጹም ፍታሕ ዜምጽእ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ የተስፉ። (ራእይ 21:4) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሕማቕ ተዘክሮታት ብጽቡቕ ኪትካእ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍወኪ ሰላማዊ መጻኢ እዩ።

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ግዳያት ንዝዀና ኣንስቲ ትገልጽ እኳ እንተ ዀነት፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ግና ንኣወዳት እውን የመልክት እዩ።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።