ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧

እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ ኣምላኽ ነቶም ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ብቕንዕና ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ይሕግዞም እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ጸሊኻ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣብነት እቶም “ኦ ኣምላኽ፡ ርድኣኒ” ብምባል ዝጸለዩ ሰባት፡ ክትጽሊ ኸተባብዓካ እዩ። ንኣብነት፦

  •   “ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ . . . ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ።”—መዝሙር 109:26ትርጉም 1956።

  •   “ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ. . . ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ።”—መዝሙር 40:17

 ርግጽ እዩ፡ እቲ ጸሓፊ እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ፡ ነቶም “ስቡር ዝልቦም” ወይ “መንፈሶም እተደቝሰ” ሰባት፡ ብቕንዕና ናብኡ ኺጽልዩ ኸለዉ ይሰምዖም እዩ።—መዝሙር 34:18

 ኣምላኽ ካባኻ ኣዝዩ ርሑቕ ኰይኑ ስለ እተሰማዓካ፡ በቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ፈጺሙ ኸም ዘይግደስ ጌርካ ኣይትሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ፣ ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ” ይብል። (መዝሙር 138:6) እኳ ደኣ፡ የሱስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:30) ኣምላኽ ብዛዕባኻ፡ ካብቲ ንስኻ እትፈልጦ ንላዕሊ ኣድቂቑ እዩ ዚፈልጥ። ብዛዕባ ዜጨንቐካ ነገራት ሓገዝ ደሊኻ ናብኡ ምስ እትጽሊ፡ ኣጸቢቑ ኺሰምዓካ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7