ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ—ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ—ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ ብዘላ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ማህሰይቲ ይወርደን እዩ። ንስኺኸ ሓንቲ ኻባታተን ዲኺ፧ ኣምላኽ ብድሕንነትኪ ስለምንታይ ከም ዚግደስን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ግፍዒ እንታይ ኪገብር ምዃኑን ኣንብቢ።

 “ቈልዓ ኸለኹ ዓብዪ ሓወይ መዓልቲ መዓልቲ ይቕጥቅጠንን ይጸርፈንን ነይሩ። ምስ ዓበኹ ድማ ሓማተይ ተሳቕየኒ ነይራ። ሓማተይን ሓሙአይን ከም ባርያ እዮም ዚርእዩኒ ነይሮም። ርእሰይ ክቐትል እሓስብ ነይረ።”—ማ a ህንዲ።

 ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ” ብምባል ይገልጽ። ብዘይካዚ እቲ ውድብ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ፡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዚወርዳ ይግምት።

 ከምዚ ኣጋጢሙኪ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ትጽረፊ፡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዚበጽሓኪ ይመስለኪ ይኸውን። ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ጾታአን፡ ዓመጽን ግፍዕን ስለ ዚወርደን ሰባት፡ ‘ደቂ ኣንስትዮ ኣየገድሳን እየን’ ኢሎም ዚሓስቡ ይመስለኪ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ይግደሰለን ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ኸም ዚግደስ ይገልጽ

ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

 ጥቕሲ፦ “[ኣምላኽ] ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”—ዘፍጥረት 1:27

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፈጢሩ። ንኽልቲኦም ድማ ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮም። ኣምላኽ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ “ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅራ” እዩ ትጽቢት ዚገብረሉ። ብተወሳኺ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺቈጻጸራ ኺፍትን፡ ኪንድረላ ወይ ኪሃርማ የብሉን። (ኤፌሶን 5:33፣ ቈሎሴ 3:19) ስለዚ፡ ኣምላኽ ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ የገድሶ እዩ።

 “ቈልዓ ከለኹ ብኣዝማደይ ጾታዊ ህስያ ወረዲኑ። ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣስራሕየይ ምስኡ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይገይረ፡ ካብ ስራሕ ከም ዚሰጕጐኒ ኣፈራሪሁኒ። ምስ ዓበኹ ኸኣ ሰብኣየይ፡ ወለደይ፡ ጐረባብተይ የዋርዱኒ ነይሮም። ድሕሪ ግዜ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ b ተማሂረ። ንሱ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን። እዚ ድማ ከም ዜፍቅረንን ኣብ ኣዒንቱ ዋጋ ኸም ዘሎንን ኣረጋጊጹለይ።”—ማሪያ፡ ኣርጀንቲና።

ካብ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ኽትሓውዪ እንታይ ኪሕግዘኪ ይኽእል፧

 ጥቕሲ፦ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳሌ 18:24

 ትርጉሙ፦ ናይ ሓቂ ፈታዊ ኪሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዚስምዓኪ ነገር ምዝራብ ዚሕግዘኪ መሲሉ እንተ ተሰሚዑኪ፡ ምስ እትኣምንዮ ሰብ ተዛረብሉ።

 “ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመኒ ን20 ዓመት ንሓደ ሰብ ኣይነገርኩን ነይረ። በዚ ምኽንያት ዘይሕጕስትን ጭንቕትን ጕህይትን ኰይነ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ነገር ጽን ኢሉ ኺሰምዓኒ ንዚኽእል ሰብ ምስ ነገርኩ፡ ዓብዪ ሩፍታ እዩ ተሰሚዑኒ።” —ኢሊፍ፡ ቱርኪየ።

 ጥቕሲ፦ “[ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

 ትርጉሙ፦ ክትጽልዪ ኸለኺ ኣምላኽ ብሓቂ ይሰምዓኪ እዩ። (መዝሙር 55:22፣ 65:2) ንሱ ስለ ዚሓልየልኪ፡ ኣዚኺ ኽብርቲ ምዃንኪ ንኽርድኣኪ ኺሕግዘኪ እዩ።

 “ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተምሃርኩ፡ ካብቲ ዝነበረኒ ዓሚቝ ስምዒታዊ ቝስሊ ኽሓዊ ጀሚረ። ሕጂ ንኣምላኽ ብጸሎት ኣቢለ ናይ ልበይ ኣግሂደ እነግሮ እየ። ንሱ ልክዕ ከም ሓደ ንስምዒተይ ዚርድኣለይ ናይ ሓቂ ፈታዊ እዩ።”—ኣና፡ በሊዝ።

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዚወርድ ግፍዒ መወዳእታ ኺገብረሉ ድዩ፧

 ጥቕሲ፦ ‘የሆዋ፡ ምድራዊ መዋቲ ሰብ ከየፍርሆምሲ፡ ንዘኽታምን ንጭፍሉቕን ፍትሒ የውጽኣሎም።’—መዝሙር 10:17, 18

 ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚግበር ጭካነን ዓመጽን ኬወግዶ እዩ።

 “የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ግፍዒ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ምፍላጥ ፈውሲ እዩ ዀይኑኒ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣምጺኡለይ እዩ።”—ሮበርታ፡ መክሲኮ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚህቦ ተስፋታት፡ ነቲ ተስፋታት ስለምንታይ ክትኣምንዮ ከም እትኽእሊ፡ ከምኡ እውን ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኻር ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ብኸመይ ንሰባት ከም ዚሕግዙን ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ክትብጽሒ ሕተቲ

 ቅዳሕ ናይዛ ዓንቀጽ ኣራግፊ።

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:​18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።