ምሳሌ 18:1-24

  • ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፡ ንጥበብ ከኣ ይነጽጎ (1)

  • ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ (10)

  • ሃብቲ ሓሳባዊ ዕቝባ ጥራይ እዩ (11)

  • ክልቲኡ ወገን ምስማዕ ጥበብ እዩ (17)

  • ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚቐርብ ፈታዊ ኣሎ (24)

18  ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፣ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ።*   ዓሻ ብምስትውዓል ባህ ኣይብሎን፣የግዳስ፡ ኣብ ልቡ ዘሎ እዩ ዚቐልዕ።+   እኩይ ምስ ዚመጽእ፡ ንዕቀት እውን ይመጽእ፣ምስ ውርደት ድማ ሕስረት ኣሎ።+   ቃላት ኣፍ ሰብ ዓሚቝ ማያት እዩ።+ ምንጪ ጥበብ፡ ዚውሕዝ ዛራ እዩ።   ምእንቲ እኩይ ኢልካ ኣድልዎ ምግባር፡+ወይ ንጻድቕ ፍትሒ ምኽላእ ጽቡቕ ኣይኰነን።+   ዘረባ ዓሻ ናብ ቈየቛ ይመርሕ፣+ኣፉ ድማ መውቃዕቲ ይዕድም።+   ኣፍ ዓሻ ጥፍኣቱ እዩ፣+ከናፍሩ ኸኣ መጻወድያ ህይወቱ* እየን።   ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፣*+ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+   ኣብ ዕዮኡ ዚህከ፡ሓው መጥፍኢ እዩ።+ 10  ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ።+ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።*+ 11  ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ።+ 12  ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዑል እዩ።+ ትሕትና ድማ ቅድሚ ኽብሪ እያ።+ 13  ከይሰምዐ ዚምልስ፡ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።+ 14  ሰብ ምስ ዚሓምም፡ መንፈሱ ይድግፎ፣+ንእተሰብረ መንፈስ* ግና መን ኪጾሮ ይኽእል፧+ 15  ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣+እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ። 16  ንሰብ ህያቡ መገዲ ይኸፍተሉ፣+ናብ ዓበይቲ ድማ የእትዎ። 17  እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡+እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።+ 18  ዕጫ ምውዳቕ ንባእሲ መወዳእታ ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርቱዓት ተጻረርቲ ድማ ይውስን።* 19  እተበደለ ሓው ካብ እተዓርደት ከተማ ብዝያዳ ይቃወም፣+ከም ተገዳማት ዕርዲ ዝበለ ባእሲ ኸኣ ኣሎ።+ 20  ከብዲ ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ይመልእ፣+ብፍረ ኸናፍሩ ድማ ይጸግብ። 21  ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን፣+እቶም ኪጥቀሙላ ዚፈትዉ፡ ፍሪኣ ይበልዑ።+ 22  ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣+ሞገስ* የሆዋ ኸኣ ይረክብ።+ 23  ድኻ ኺዛረብ ከሎ ይልምን፣ሃብታም ግና ብትሪ ይምልስ። 24  ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣+ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ይንዕቆ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ብህርፋን ከም ዚውሓጥ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልዕል ይብል።” ማለት፡ ኣብ ዘይብጻሕ ውሑስ ቦታ ይኸውን።
ወይ፡ “ንፍጹም ቅብጸት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንብርቱዓት ይፈላልዮም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”