ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

alfa27/stock.adobe.com

ወፈራ በዓል ዝኽሪ

የሱስ ንገበን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

የሱስ ንገበን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

 የሱስ፡ ገበንን ዘይፍትሓውነትን ዜስዕቦ ስቓይ ተመኪርዎ እዩ። ብሓሶት ተኸሲሱ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተወቒዑ፡ ምጕዳል ፍትሒ ኣጋጢምዎ፡ ብጌጋ ተፈሪዱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዜሳቒ መገዲ ተቐቲሉ እዩ። ንጹህ እኳ እንተ ነበረ፡ ብወለንታን ብፍታውን “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ሰዊኡ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 15:13) ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ፍትሒ ኼስፍን፣ ንገበን እውን ሓንሳእን ንሓዋሩን ኬጥፍኦ እዩ።—ኢሳይያስ 42:3

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ስጕምቲ ምስ ወሰደ፡ ዓለም ከመይ ከም እትመስል ይገልጽ፦

  •   “እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም። ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

 ነቲ የሱስ ዝገበረልናን ነቲ ብሕጂ ዚገብረልናን ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ነርኢ፧ ኣብ ሉቃስ 22:19፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሞቱ ኺዝክሩ ተማሕጸኖም። ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት ዓመት ሞቱ ኺዝክሩ ዚእከቡ። ንስኻ እውን ዝኽሪ ሞት የሱስ ምሳና ሓቢርካ ኸተብዕል ብኽብሪ ንዕድመካ። ሎሚ ዓመት፡ ሰንበት 24 መጋቢት፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ወይ ሰንበት 15 መጋቢት፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ እዩ ዚኽበር።

በዓል ዝኽሪ ድለ