ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

AspctStyle/stock.adobe.com

ወፈራ በዓል ዝኽሪ

የሱስ ንውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

የሱስ ንውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቂ ሰብ ዝነበረቶ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ፣ ህይወቱ ምእንታኦም መስዋእቲ ብምኽፋል ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣግሂድዋ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 15:13) ኣብ ቀረባ ግዜ እውን እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ነቲ ኸም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ” ኸተለዓዕሎ እያ።—መዝሙር 46:9

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል፦

  •   “ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎ . . . እዩ።”—መዝሙር 72:12-14

 ነቲ የሱስ ዝገበረልናን ነቲ ብሕጂ ዚገብረልናን ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ነርኢ፧ ኣብ ሉቃስ 22:19 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሞቱ ኺዝክሩ ተማሕጸኖም። ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት ዓመት ሞቱ ኺዝክሩ ዚእከቡ። ንስኻ እውን ዝኽሪ ሞት የሱስ ምሳና ሓቢርካ ኸተብዕል ብኽብሪ ንዕድመካ። ሎሚ ዓመት፡ ሰንበት 24 መጋቢት፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ወይ ሰንበት 15 መጋቢት፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ እዩ ዚኽበር።

በዓል ዝኽሪ ድለ