ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧

ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ

ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ

ሎሚ፡ ሰባት ይጭቈኑ እዮም ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት ዕረፍቲ ንኺረኽቡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣምላኽ ይልምኑ እዮም፣ እፎይታ ዚረኽቡ እንተ ዀይኖም ከኣ የተሓሳስቦም እዩ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ነቲ ሓገዝ ደልዮም ዜቕርብዎ ልመና ይሰምዖ ድዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ካብ ጭቈና ሓራ ምእንቲ ኺወጹ ኢሎም ዚዋግኡ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧ እቲ ዚገብርዎ ውግእ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ገይሩ ብምርኣይ ንጻዕርታቶም ይድግፎ ድዩ፧

ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ከም ዜኽትም ዚገብር ውግእ እዩ

ፈለማ፡ ነዚ ዜጸናንዕ ሓቂ እስከ ኣስተብህለሉ፦ ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ይርእዮ እዩ፣ ስጕምቲ ኺወስድ ድማ መዲቡ ኣሎ። (መዝሙር 72:13, 14) ኣምላኽ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም ‘ዝጸበቦም ዕረፍቲ ኺህቦም’ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ። መዓስ፧ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን . . . ሕነ ኺፈድዮም” ኢሉ፡ “የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ” ኣብ ዚግለጸሉ እዋን እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:7, 8) እዚ የሱስ ዚግለጸሉ እዋን እዚ፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ኢሉ ዚጽውዖ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪፍጸም እዩ።—ራእይ 16:14, 16

ኣምላኽ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ኣንጻር እኩያት ሰባት ዚገብሮ ውግእ፡ ንሰባት ዘይኰነስ ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ነቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራትን እዩ ኺጥቀም። እዞም ሰማያውያን ሓይልታት ድማ ንዅሉ ጭቈና ኸም ዜኽትም ኪገብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 11:4፣ ራእይ 19:11-16

ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ ሎሚ እውን እንተዀነ ኣይተቐየረን። ሕጂ እውን ንውግእ፡ ጭቈናን እከይን ዘጥፍኣሉ ሕጋዊ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብ መላእ ታሪኽ ከም እተራእየ ግና ኣምላኽ ጥራይ እዩ ውግእ መዓስ ከም ዚግበርን መን ከም ዚዋጋእን ዚውስን ነይሩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ፡ እከይ ከም ዜኽትም ንምግባርን ኣብ ክንዲ ጭቍናት ሕነ ንምፍዳይን ኣብ መጻኢ ውግእ ኪግበር ድሮ መዲቡ ኣሎ፣ ኣብቲ ውግእ እቲ ዚዋጋእ ድማ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘሎ ውግኣት ንሓደ ኽቡር ዕላማ ተባሂሉ ዚግበር ዚመስል እውን እንተ ዀነ፡ ስምረት ኣምላኽ የብሉን።

ንኣብነት፡ ኣቦኦም ምስ ገሸ ኺብኣሱ ብዛዕባ ዝጀመሩ ኽልተ ኣሕዋት እሞ ሕሰብ። ንግዜኡ ባእሶም ደው ኣቢሎም ናብ ኣቦኦም ቴሌፎን ይድውሉ። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት፡ እቲ ሓደ ሓዉ ነቲ ባእሲ ኸም ዝጀመሮ ኺዛረብ ከሎ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ከም እተበደለ ይዛረብ። ኣብቲ ኽርክር ኪድግፎም ተስፋ ብምግባር ድማ ነፍሲ ወከፎም ናብ ኣቦኦም ይጠርዑ። እቲ ኣቦ ግና ንኽልቲኦም ደቁ ምስ ሰምዖም፡ ባእሶም ደው ኬብሉን ንሱ ናብ ቤት ተመሊሱ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ዚፈትሖ ኺጽበዩን ይነግሮም። እዞም ክልተ ኣሕዋት ንገለ ግዜ ኸይተባእሱ እኳ እንተ ተጸበዩ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ግና እንደገና ይበኣሱ። እቲ ኣቦ ናብ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ብኽልቲኦም ደቁ ይጕሂ እዩ፣ ስለ ዘይተኣዘዝዎ ድማ ንኽልቲኦም ይቐጽዖም።

ሎሚ ዘለዋ ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኺዋግኣ ኸለዋ ደገፍ ደልየን ናብ ኣምላኽ ይልምና እየን። ኣምላኽ ግና ኣብዚ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ውግኣት ኣይውግንን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 12:17, 19) ብዘይካዚ፡ ንሱ ኣብ ኣርማጌዶን ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ፡ ደቂ ሰብ ‘ሃዲኦም ኪጽበይዎ’ ኸም ዘለዎም ኣፍሊጡ እዩ። (መዝሙር 37:7) ሃገራት፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ኣብ ክንዲ ዚጽበያ፡ ባዕላተን ምስ ዚዋግኣ፡ ኣምላኽ ነዚ ውግእ እዚ ኸም ብትዕቢት ዚግበር ናይ ዓመጽ ተግባር ገይሩ ይርእዮ፣ እዚ ኸኣ የጕህዮ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን ቍጥዓኡ ኺገልጽ እዩ፣ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ” ብምግባር ድማ ንግርጭታት ሃገራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ኬደቅሶ እዩ። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 34:2) ብርግጽ እምበኣር፡ ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ከም ዜኽትም ዚገብር ውግእ ኪኸውን እዩ።

ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ብዙሕ በረኸታት ንውግእ ከም ዜኽትም ምግባር እዩ። የሱስ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብታ ፍልጥቲ ጸሎት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዚግበር ውግእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጠንቂ ውግእን እከይን እውን ከተጥፍኦ እያ። * (መዝሙር 37:9, 10, 14, 15) ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ተሃንጥዮም ኪጽበይዎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—2 ጴጥሮስ 3:13

እንተዀነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንመከራን ንጭቈናን ንእከይን ክሳዕ እተጥፍእ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና ኽንጽበ ዘሎና፧ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) * ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ኣምላኽ ብውግእ ኣርማጌዶን ኣቢሉ ነዘን ዳሕሮት መዓልትታት መወዳእታ ኺገብረለን እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ውግእ ዚጠፍኡ ሰባት፡ እቶም “ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎ” እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:8) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብሞት ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ እንተላይ ብሞት እኩያት ሰባት ባህ ከም ዘይብሎ ኣይትረስዕ። (ህዝቅኤል 33:11) ኣብዚ ናይ መወዳእታ ውግእ፡ “ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡” መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ብስራት ጐይታና የሱስ ‘ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ከም ዚስበኽ’ ይገብር ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:8, 9፣ ማቴዎስ 24:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) እወ፡ ሳላ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ኪእዘዙን ነቲ ውግእ ዘይህልወሉ እዋን ንኺርእይዎ ብህይወት ኪነብሩን ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 9 መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ጸላኢ ደቂ ሰብ ዝዀነ ሞት እውን ከተጥፍኦ እያ። ኣብዛ ሕታም እዚኣ ኣብ ዚርከብ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ኣምላኽ ማእለያ ንዘይብሎም ሰባት፡ ዋላ እውን ነቶም ኣብ መላእ ታሪኽ ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ሰባት ኬተንስኦም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ።