ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ኣምላኽ ክንጽሊ ዚዕድመና ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ክንጽሊ ዚዕድመና ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ምስኡ ዕርክነት ክትምስርት ይዕድመካ።

ኣዕሩኽ፡ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልዎም ኣብ ንሓድሕዶም ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ምስኡ ምዉቕ ዕርክነት ምእንቲ ኽንምስርት ኢሉ ኽንዛረቦ ዓዲሙና ኣሎ። ኣምላኽ፡ “ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ” ኢሉ እዩ። (ኤርምያስ 29፡12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ስለ ዚብል፡ ንኣምላኽ ትዛረቦ እንተ ዄንካ ናብኡ ኽትቀርብ ኢኻ። (ያእቆብ 4፡8) ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ። (መዝሙር 145፡18) ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝጸለና መጠን፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ብዝያዳ እዩ ዚዓቢ።

“እግዚኣብሄር . . . ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።” —መዝሙር 145:18

ኣምላኽ ኪሕግዘካ ይደሊ።

የሱስ፡ “ካባኻትኩምከ ወዱ እንጌራ እንተ ለሚንዎ፡ እምኒ ዚህቦ መን እዩ፧ ዓሳ እንተ ለሚንዎኸ፡ ተመንዶ ይህቦ፧ እምበኣር፡ ንስኻትኩም . . . ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም!” በለ። (ማቴዎስ 7:9-11) እወ፡ ኣምላኽ ስለ ‘ዚሓልየልካን’ ኪሕግዘካ ስለ ዚደልን እዩ ኽትጽሊ ዚዕድመካ። (1 ጴጥሮስ 5፡7) ምስ ኵሉ ሽግራትካ እውን ናብኡ ኽትቀርብ ይዕድመካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ይብለና።—ፊልጲ 4፡6

ደቂ ሰብ መንፈሳዊ ድሌት ኣለዎም።

ብዛዕባ ባህርይ ደቂ ሰብ ዜጽንዑ ኽኢላታት ከም እተዓዘብዎ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪጽልዩ ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኦም ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ከምኡ እዩ ዚስምዖም። * እዚ ድማ ደቂ ሰብ መንፈሳዊ ድሌት ዘለዎም ኰይኖም ከም እተፈጥሩ እዩ ዜርኢ። የሱስ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5፡3) ነዚ ድሌት እዚ ንምዕጋብ ዚሕግዘና ሓደ መገዲ፡ ብቐጻሊ ንኣምላኽ ብጸሎት ምዝራብ እዩ።

ነቲ ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ዘቕረበልና ዕድመ እንተ ተቐቢልናዮ፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ

^ ሕ.ጽ. 8 ብመሰረት እቲ ማእከል ምርምር ፒዩ ኣብ 2012 ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብቶም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እቶም 11 ሚእታዊት፡ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ይጽልዩ እዮም።