መዝሙር 36:1-12

  • እቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኽቡር እዩ

    • እኩይ ንኣምላኽ ኣይፈርሆን (1)

    • ኣምላኽ፡ ምንጪ ህይወት (9)

    • “ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና” (9)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት እቲ ጊልያ የሆዋ። 36  ኣበሳ ንእኩይ ኣብ ውሽጢ ልቡ ይዛረቦ፣ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።+   ስሕተቱ ኸም ዘይርከብን ከም ዘይጽላእን ገይሩስብኣዒንቱ ንርእሱ ይሽሕጣ።+   ቃላት ኣፉ ጐዳእን መታለልን እዩ፣ሰናይ ንምግባር ከኣ ልቦና የብሉን።   ኣብ ዓራቱ እኳ ኽፍኣት ይሓስብ። ጽብቕቲ ኣብ ዘይኰነት መገዲ ይቐውም፣ንኽፉእ ኣይነጽጎን።   ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽሳብ ሰማያት፡+ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ደበናታት ይበጽሕ።   ጽድቅኻ ግርማ ኸም ዘለዎ ኣኽራን* እዩ፣+ፍርድታትካ ኸም ገፊሕ መዓሙቝ ማያት እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ንሰብን ንእንስሳን ተንብሮም።*+   ኦ ኣምላኽ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽንደይ ክቡር እዩ!+ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ፡ ደቂ ሰብ ይምዕቈቡ።+   ብብዝሒ ልግሲ* ቤትካ ይረውዩ፣+ካብ ውሒዝ ደስታኻ እውን ተስትዮም።+   ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ፣+ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና።+ 10  ነቶም ዚፈልጡኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም፣+ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ጽድቅኻ ኣርእዮም።+ 11  እግሪ ዕቡይ ኪረግጸኒ፡ኢድ እኩያት ኪሰጕጐኒ ኣይትሕደግ። 12  ገበርቲ ኽፉእ ኣብኣ ወዲቖም፣ተደፊኦም፡ ኪትንስኡ ድማ ኣይክእሉን እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ከም ኣኽራን ኣምላኽ።”
ወይ፡ “ተድሕኖም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብስብሒ።”