ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ሓይልኻ ምስ ዚጽንቀቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሓይልኻ ምስ ዚጽንቀቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣኒል ኣዝዩ ኻብ ምድካሙ እተላዕለ ረሸሽ ኢልዎ ነበረ። ዝያዳ ኽብርን ኣታውን ንኺረክብ ተስፋ ብምግባር ከኣ ሓድሽ ስራሕ ጀሚሩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ ለይቲ ኺሰርሕ የምሲ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን እውን ከይተረፈ ይሰርሕ ነበረ። አረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ኣብ ሰሙን ክሳዕ 80 ሰዓት ይሰርሕ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣብቲ ስራሕ፡ ጽፉፍ ኣሰራርሓ ስለ ዘይነበረ፡ ኵሉ እቲ ሓላፍነት ኣባይ እዩ ዚወድቕ ነይሩ። ‘እንታይ ዓይነት ውሳነ እየ ገይረ፧ ለውጢ እንተ ዘይገይረ፡ ሙማተይ ኣይተርፈንን እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ።” ሓይሊ ኣኒል እናተጸንቀቐ እዩ ዚኸይድ ነይሩ።

ብሰንኪ ስራሕ ሓይልኻ ኺጽንቀቕ ከሎ፡ ካብ ድኻም ንላዕሊ እዩ ዚስምዓካ። እዚ ጸገም እዚ፡ ካብቲ መዓልታዊ ዜጋጥመካ ውጥረት ዝኸፍአ እዩ፣ ኣዚኻ ድማ ተስፋ ትቘርጽ ኢኻ። ሓይሎም እተጸንቀቐ ሰባት፡ ስራሕ ይጽልኦም፡ ድራኸ ኣይህልዎምን፡ ውጽኢታውያን ከኣ ኣይኰኑን። እተፈላለየ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ኸኣ እዚ ምስ ሓያሎ ስምዒታውን ኣካላውን ጸገማት ጥዕና እተተሓሓዘ እዩ።

ሓይልኻ ኸም ዚጽንቀቕ ዚገብር እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ረቛሒታት፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስራሕ እዩ። ብምኽንያት ቍጠባዊ ቕልውላው፡ ገሊኦም ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ብውሑድ ደሞዝ ዝያዳ ሰዓታት ኬስርሕዎም ይደልዩ። ተክኖሎጂ ንገሊኦም ወትሩ ምስ ስራሖም ስለ ዜራኽቦም፡ እቶም ሰባት ንብሕቶም ዚኸውን ግዜ ዳርጋ ኣይረኽቡን እዮም። ካልኦት ድማ፡ ስራሕ ከይስእኑ ስለ ዚፈርሁ፡ ንስራሖም ኪቈጻጸርዎ ስለ ዘይክእሉ፡ ብኣስራሕቶም ስለ ዚግፍዑ፡ ንኣየናይ ቀዳምነት ኪህቡ ኸም ዘለዎም ብንጹር ስለ ዘይፈልጡ፡ ወይ ምስ መሳርሕቶም ስለ ዘይሳነዩ ሓይሎም ይጽንቀቕ እዩ።

ሓደ ሰብ፡ ባዕሉ እውን ሓይሉ ኸም ዚጽንቀቕ ኪገብር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ብሞያኦም ዝያዳ ኽብርን ኣታውን ንምርካብ፡ ብዙሕ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ልዕሊ ዓቕሞም ስለ ዚሰርሑ፡ ሓይሎም እናተጸንቀቐ እዩ ዚኸይድ።

ሓይልኻ ብምጽንቃቑ ምስራሕ እንተ ስኢንካ፡ ነዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ኢኻ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል፧ ንዅነታትካ ኽትልውጦ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓይልኻ ምስ ዚጽንቀቕ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ዚሕግዘካ ኣርባዕተ ነጥብታት ንርአ። ነዚ ምስ ረኣኻ፡ ብዙሕ ኣማራጺታት ከም ዘሎካ ትግንዘብ ትኸውን።

1. ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራት ገምግሞ።

ዝያዳ ዜገድሰካ እንታይ እዩ፧ ሓያሎ ሰባት ነቲ ምስ ስድራ ቤቶም ዘለዎም ርክብን ንጥዕናኦምን ካብ ካልእ ንላዕሊ ቐዳምነት ኪህብዎ እዮም ዚደልዩ። ሓይልኻ ምስ ዚጽንቀቕ፡ እዚ ነገራት እዚ ኸም ዚህሰ ፍሉጥ እዩ።

ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ብንጹር ምስ እትሰርዖ፡ ከቢድ ውሳነ ንኽትገብርን ለውጢ ንኽትቅበልን ትዳሎ ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓይልኻ ይጽንቀቕ ከም ዘሎ ትግንዘብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ‘ስራሐይ ኪቕይር ወይ ክንኪ ኣይክእልን እየ፣ እቲ ዝረኸቦ ኣታዊ የድልየኒ እዩ’ ትብል ትኸውን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣታዊ ኸም ዜድልዮ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓኻ ግና ኽንደይ ዚኸውን ኣታዊ እዩ ዜድልየካ፧ ነቲ ዝያዳ ቐዳምነት እትህቦ ነገርከ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ መስዋእቲ እትኸፍለሉ፧

ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ቀዳምነት ንዚህብዎ ነገራት ቀዳምነት ንኸይትህብ ተጠንቀቕ። ኣስራሒኻ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራትን ንስኻ ቐዳምነት እትህቦ ነገራትን እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ ንስራሖም እኳ እንተ ዀነ፡ ንስኻ ግና ከምኡ ኽትገብር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”—ሉቃስ 12:15

2. ናብራኻ ኣቕልል።

ውጥረት ምእንቲ ኽትንክን ኣኽቢርካ ንእትርእዮ ነገራት ግዜ ምእንቲ ኽትረኽበሉን፡ ዝወሓደ ሰዓታት ክትሰርሕ፡ ንኣስራሒኻ ስራሕ ንኺንክየልካ ኸተእምኖ፡ ወይ ከኣ ስራሕ ክትቅይር ክትውስን የድልየካ ይኸውን። ውሳነኻ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ቍጠባዊ ዅነታትካ ከተመዓራርን ኣብ ናብራኻ ለውጢ ኽትገብርን ኬድልየካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ንኽትገብሮ ዜጸግም ኣይኰነን፣ ከምቲ እትሓስቦ ኸቢድ ከይከውን እውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሰባት ኣብ ምዕዳግን ኣብ ምሻጥን ዘተኰረ ህይወት ስለ ዚመርሑ፡ ሓጐስ ብመጠን እቲ እትረኽቦ ኣታውን እተጥርዮ ነገራትን ዚምርኰስ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን። ቀሊል ናብራ ምንባር ዝያዳ ናጽነትን ዕግበትን ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ነዚ ለውጢ እዚ ንኽትዳለወሉ እምበኣር፡ ወጻኢታትካ ነኪ፡ ገንዘብ ከኣ ኣዋህልል። ዕዳኻ ንኽትንኪ ወይ ምሉእ ብምሉእ ንኽትከፍሎ ጽዓር። ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ለውጢ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ተመያየጠሉ፡ ሓገዞም ከኣ ድለ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ“ምግብን ክዳንን መጽለልን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8

3. መዓስ ‘ኣይፋል’ ክትብል ከም ዘሎካ ፍለጥ።

ኣብ ስራሕካ ኻብ መጠን ንላዕሊ ንኽትሰርሕ ጸቕጢ ዚግበረልካ እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ካልእ ቀጻሊ ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ምስ ኣስራሒኻ ተመያየጠሉ። ብእተኻእለ መጠን፡ ንዓኻን ንኣስራሒኻን ዘይጐድእ መፍትሒ ዚኸውን ርእይቶ ኣቕርብ። ንኣስራሒኻ፡ ስራሕካ ብተወፋይነት ከም እትሰርሕ ኣረጋግጸሉ። ብዛዕባ እቲ ብፍታው ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ሓብሮ። ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገራት ግና ኣነጺርካን ኣትሪርካን ግለጸሉ።

ኣርሒቕካ ጠምት፡ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ድማ ይሃሉኻ። ስራሕካ ኽትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ኣስራሒኻ ነቲ ኻብኡ እትረኽቦ ጥቕሚ ኽንክዮ ኸም ዚኽእል ተጸበ። ካብ ስራሕ ምውጻእን ካልእ ጸገማትን ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል ተጸበ፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ከኣ ተዳሎ። ካልእ ስራሕ ንኽትረክብ፡ እናሰራሕካ ኸለኻ ኸተናዲ ዝሓሸ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

ንስኻን ኣስራሒኻን ተሰማሚዕኩም ኣብ ኣሰራርሓኻ ለውጢ ኽትገብር እኳ እንተ ኸኣልካ፡ ዝያዳ ስራሕ ንኽትሰርሕ እንደገና ጸቕጢ ኺግበረልካ ይኽእል እዩ። እሞኸ ኣብ ውሳነኻ ንኽትጸንዕ እንታይ ኪሕግዘካ ዚኽእል፧ ንእተሰማማዕካሉ ነገራት ብተኣማንነት ፈጽሞ። ከምዚ ምስ እትገብር፡ ንስኻ እውን ንኣስራሒኻ ኸምቲ ንስኻ እትገብረሉ ንኺገብረልካ፡ ኣፍካ መሊእካ ንኽትሓትቶ ምኽንያት ኪዀነካ ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን።”—ማቴዎስ 5:37

4. ንዕረፍትን ንመዘናግዕን ዚኸውን ግዜ መድብ።

ኣብ ስራሕካ ኸቢድ ጸገማት እኳ እንተ ዘየጋጠመካ፡ ውጥረትን ባህ ዘየብል ኵነታትን ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ፣ ኣሸገርቲ ሰባት እውን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ንዕረፍትን ንመዘናግዕን ዚኸውን እኹል ግዜ መድብ። ንስኻን ስድራ ቤትካን ባህ ዜብል ሚዛናዊ ምዝንጋዕ ንኸተሕልፉ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ከም ዘየድልየካ ኣይትረስዕ።

ካብ ስራሕካ ወጻኢ፡ እትግደሰሉ ነገራትን እትቐርቦም ኣዕሩኽን ከም ዚህልዉኻ ግበር። ንርእስኻ ብዓይነትን ብመጠንን እቲ እትዓይዮ ዕዮ ኣይትለክዓያ። ስለምንታይ፧ ዮር ማኒ ኦር ዮር ላይፍ (ትኽተርዶ ትምተር) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መንነትካ ኻብቲ ምእንቲ ገንዘብ ኢልካ እትገብሮ ነገራት ኣዝዩ ይዓቢ” ትብል። መንነትካን ክብርኻን ብቐዳምነት ካብ ስራሕካ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ግደ ኣትሒትካ ንኽትርእዮ ኼጸግመካ እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።”—መክብብ 4:6

ሓይልኻ ምስ ዚጽንቀቕ ለውጢ ኽትገብር ትኽእል ዲኻ፧ እወ፡ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ኣኒል፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ነቲ ናይ ቀደም ኣስራሒየይ ቀሪበ፡ ናብቲ ናይ ቅድም ስራሐይ ኪመልሰኒ ምስ ሓተትክዎ ተቐበለኒ። ነቶም ‘ዝሓሸ ስራሕ’ ከም ዝረኸብኩ ተዛሪበዮም ዝነበርኩ ናይ ቀደም መሳርሕተይ ክረኽቦም ከለኹ እሽቝረር ነይረ እየ። ካብ ደሞዘይ እውን ብዙሕ ተነክዩ እዩ። ግናኸ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣሎኒ፣ ንስድራ ቤተይን ንኻልእ ኣኽቢረ ዚርእዮ ነገራትን ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ድማ ኣሎኒ።”