ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ጸገም፦ዘይቅየር ኵነታት

ጸገም፦ዘይቅየር ኵነታት

ሕዱር ሕማም ወይ ፍትሕ ወይ ከኣ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ኣጋጢሙካ ድዩ፧ ዘይቅየር ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኵነታትካ ኪቕየር ካብ ምምናይ ሓሊፍካ ምንም ነገር ክትገብር ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እሞኸ፡ ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት፦ ጳውሎስ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ሚስዮናዊ ዀይኑ ብቕንኣት ኣናኣገልገለ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዒዙ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ምስ ተኣስረ ጕዕዞኡ ኣቋረጸ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብወተሃደር እናተሓለወ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ተዳጐነ። ይኹን እምበር፡ ኪገብሮ ኣብ ዚኽእል ነገር ደኣ እዩ ኣተኲሩ እምበር፡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዎ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ከኣ መንፈሳዊ ሓገዝን ምጽንናዕን ሂብዎም እዩ። ገለ ኻብተን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና መልእኽትታት እውን ጽሒፉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:30, 31

ኣንያ ዝገበረቶ

ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ኣንያ ብሰንኪ ሕማም ዓዲ ውዒል ኰይና እያ። “መንሽሮ ንዅሉ መዳያት ህይወተይ ጸልይዎ እዩ። ረኽሲ ኸይሕዘኒ ስለ ዝፈርህ፡ ዓለማዊ ስራሕ ኣቋሪጸ፡ ምስ ሰባት እውን ኣይራኸብን እየ” በለት። እሞኸ፡ ኣንያ ነቲ ዘይቅየር ኵነታታ ብኸመይ እያ እትጻወሮ ዘላ፧ ኣስዒባ፡ “ኣብ ዝገብሮ ነገራት ለውጢ ምግባረይ ሓጊዙኒ እዩ። ነቲ ብዝያዳ ዜገድሰኒ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ዓቕመይ ኣብ ግምት ብምእታው መዓስ ከም ዝትግብሮ መደብ አውጽእ እየ። እዚ ንዅነታተይ ክቈጻጸሮ ሓጊዙኒ እዩ” በለት።

“ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ።”—ኣብ ፊልጲ 4:11 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ዘይቅየር ኵነታት ንህይወትካ ይቈጻጸራ እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  • ክትገብሮ ኣብ እትኽእል ነገራት ኣተኵር። ንኣብነት፡ ንጥዕናኻ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብርን ሃናጺ ምግቢ ኽትምገብን እኹል ዕረፍቲ ኽትወስድን ትኽእል ዲኻ፧

  • ኣብ ህይወትካ እንታይ ክትዓምም ከም እትደሊ ወስን። ሸቶኻ ምእንቲ ኽትወቅዕ በብቝሩብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ወጥን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ቍሩብ ግዜ ብምምዳብ ክትትግብሮ ፈትን።

  • ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ፡ ገለ ዕዮ ዕየ። እዚ ኸኣ ዕግበትን ሓጐስን ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ክሽነ ሰደቓ ኣጽሪ፡ ኣቕሑ ድማ ሕጸብ። ጽሩይ ክዳን ተኸደን። ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ቐዳምነት ብምሃብ፡ ንግሆ ዕየዮ።

  • ካብቲ ዘጋጠመካ ዅነታትካ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል እውን ሕሰብ። ንኣብነት፡ ንጸገማት ብኸመይ ክትጻወሮ ኸም እትኽእል ዝያዳ ምስትውዓል ከተጥሪ ኽኢልካ ዲኻ፧ ነዚኸ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ ትኽእል ዲኻ፧

ቀንዲ ነጥቢ፦ ንዅነታትካ ኽትቈጻጸሮ እኳ እንተ ዘይክኣልካ፡ ንኣተሓሳስባኻ ግና ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።