ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ስራሕ

ስራሕ

መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ስርዓታቱ ግና ግዜ ዘይሓልፎ እዩ። እቲ ብዛዕባ ስራሕ ዚህቦ ሓሳብ፡ ከምቲ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ውጽኢታዊ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ውጽኢታዊ እዩ።

ብዛዕባ ስራሕ ኪህልወካ ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኣብዚ ውድድር ዝመልኦ ናይ ስራሕ ዓለም ክትዕወት እንተ ዄንካ፡ ንስራሕካ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትሰርዖ ኣሎካ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ንገሊኦም ሰባት ብስራሖም ኣዝዮም ከም ዚወሓጡ ብምግባር፡ ስድራ ቤቶምን ጥዕናኦምን ዕሽሽ ክሳዕ ዚብሉ ገይርዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንስራሕ ብዚምልከት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ ዜተባብዕ። ንትጉሃት ይንእዶም፡ ንሃካያት ግና ይዅንኖም እዩ። (ምሳሌ 6:6-11፣ 13:4) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ግዜናን ጉልበትናን ኣብ ስራሕ ከነውዕሎ ኣየተባብዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጠኑ ዝሓለወ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ኺህልወና እዩ ዜተባብዕ። መክብብ 4:6 “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” ትብል። ስለዚ እምበኣር፡ ንስድራ ቤትና ወይ ንጥዕናና ዕሽሽ ክሳዕ እንብል ብስራሕ ኣዚና ትሑዛት ክንከውን የብልናን። ሓይልኻ ኽሳዕ ዚጽንቀቕ ምስራሕ ፋይዳ የብሉን።

“ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን።”መክብብ 2:24

እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ የገድስ ድዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት ‘ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ እንተ ተረኺቡ፡ ዓይንኻ ዘይምንሕሳይ’ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ምስቲ ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ ዚሓድረካ ድፍኢት ተደሚሩ፡ ንገሊኦም ምትላል ኣብ ዝመልኦ ንግዲ ኸም ዚሳተፉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ከም ዚኣትዉ ገይርዎም እዩ።

ካልኦት ድማ ባህ ዚብሎም ዓይነት ስራሕ ጥራይ ኪሰርሑ እዮም ፍቓደኛታት ዚዀኑ። ኣዝዮም ዚፈትውዎ ስራሕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዜሰልኪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብዛዕባ ስራሖም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ይህልዎም፡ ንማለቱ ጥራይ ድማ ይዓይዩ። ዋላ እውን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት እንተ ረኸቡ፡ እቲ ዓይነት ስራሕ እቲ፡ ክብረቶም ዚቕንስ ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ኣይቅበልዎን እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምትላል ዝመልኦን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንሰባት ዚጐድእን ስራሕ ኣይድግፎን እዩ። (ዘሌዋውያን 19:11, 13፣ ሮሜ 13:10) ሓደ ጥዑይ ስራሕ፡ ንሰባት ይጠቕሞም፡ ንዓኻ ድማ “ሰናይ ሕልና” ኸም ዚህልወካ ይገብር።—1 ጴጥሮስ 3:16

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስራሕ፡ ክቡር ዕላማ ኸም ዘለዎ ይምህር እዩ። እዚ ዕላማ እዚ ግና ብቐዳምነት ንገዛእ ርእስኻ ባህ ንምባል ዘይኰነስ፡ ድራር ዕለት ክትረክብን ንስድራ ቤትካ ክትኣልዮም እዩ። ሽሕ እኳ ብስራሕካ ኽትሕጐስ ጽቡቕ እንተ ዀነ፡ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦ ግና የብሉን።

“ኣቦይ ኣዝዩ ትሑዝ እዩ። ኣብ ርእሲ ስራሑ፡ ኣብቲ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እንገብሮ ጉባኤ ሓላፍነታት ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስራሑ ዚከኣሎ ዘበለ እዩ ዚዓዪ። ነቲ ኺዓይዮ ዘለዎ ዕዮ ፈጺሙስ ገና ምሳይን ምስ ሓፍተይን ምስ ኣደይን ግዜ የሕልፍ እዩ። ኵሉ ግዜ ብዕዮ ትሑዝ እኳ እንተ ዀነ፣ ንዅሉ ብሚዛናዊ መገዲ እዩ ዚሕዞ።”—ኣላና።

ቍጠባዊ ቕልውላውን ናህሪ ዋጋታትን፡ ድራር ዕለትና ብኸመይ ከም እንረክብ ኬጨንቐና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሚዛናውያን ክንከውን እዩ ዚምህረና። “ምግብን ክዳንን መጽለልን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኹን” ድማ ይብለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) እዘን ቃላት እዚአን፡ መነንቲ ኽንከውን ዜተባብዓ ኣይኰናን። ኰይኑ ግና፡ ዓቕምና ኽንፈልጥ፡ ንብዝሒ እቲ እነጥርዮ ንብረት ብዚምልከት ከኣ ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና።—ሉቃስ 12:15

ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ኣብ ስራሕካ ትጉህ ኩን። ኣብኡ እውን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ይሃሉኻ። ዕዮኻ ኣትሕቲካ ዚርአ እኳ እንተ መሰለ፡ ወይ እቲ ዅሉ ግዜ እትምነዮ ዝነበርካ ዓይነት ስራሕ እውን እንተ ዘይኰነ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ኽትከውን ጽዓር። ብትግሃት ምዕያይ፡ ዕግበት ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር፣ ክእለትካ እንተ ኣማዕቢልካ ድማ እቲ ኻብ ስራሕካ እትረኽቦ ሓጐስ ኪዛይድ ይኽእል እዩ።

ምስናይ እዚ ግና፡ ሚዛናዊ ብምዃን፡ ሓሓሊፍካ ኣዕርፍን ተዘናጋዕን። እዚ ናይ ዕረፍትን ምዝንጋዕን ግዜ እዚ፡ ብፍላይ ብትግሃት ክንሰርሕ ድሕሪ ምውዓልና ኣዝዩ ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ዜድልየና ነገራት ባዕልና ኽንዕድግ ምኽኣልና፡ ንገዛእ ርእስና ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ይገብር እዩ። ካብ ስድራ ቤትናን ካብ ካልኦትን ድማ ኣኽብሮት ንረክብ።—2 ተሰሎንቄ 3:12

“‘እንታይ ንበልዕ፧’ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።”ማቴዎስ 6:31, 32