ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መውስቦ

ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን

ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን

ጸገም

መጻምድትኻ፡ “ክዛረብ ከለኹ ኣይትሰምዓንን ኢኻ ኔርካ!” ትብለካ። a ንስኻ ድማ፡ ‘ግንኮ እሰምዓ እየ ነይረ’ ኢልካ ትሓስብ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ኻብቲ መጻምድትኻ ዝበለቶ እተፈልየ ዀይኑ ይርከብ። እዚ ኸኣ፡ ናብ ካልእ ክርክር ይመርሕ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባእሲ ኸተወግዶ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ግና፡ ሽሕ እኳ ንመጻምድትኻ ኸም እትሰምዓ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ ኣገዳሲ ንዝዀነ ዝርዝር ነጥብታት ስለምንታይ ክትሰምዓ ኸም ዘይከኣልካ ኽትርዳእ ኣሎካ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ከተስግል ከለኻ፡ ክትደክም ከለኻ፡ ወይ ክልቲኡ። ቈልዑ ያዕያዕ ይብሉ ኣለዉ፡ ተለቪዥን ተወሊዓ ኣላ፡ ንስኻ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስራሕ ዘጋጠመካ ጸገም ትሓስብ ኣለኻ ንበል። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ መጻምድትኻ፡ ምሸት ኣጋይሽ ኪመጹ ምዃኖም ክትነግረካ ትጅምር። ንስኻ ድማ ከም እተሰማማዕካሉ ርእስኻ ትንቕንቕ፣ ግናኸ፡ ነቲ እተባህለ ብሓቂዶ ሰሚዕኻዮ ኢኻ፧ ምናልባት ኣይሰማዕካዮን ትኸውን።

ናይ ርእስኻ ግምት ክትህብ ከለኻ። ነቲ መጻምድትኻ ዝበለቶ እምብዛ ስለ እትሓስበሉ፡ ናይ ርእስኻ ትርጕም ክትህበሉ ትፍትን። ንኣብነት፡ መጻምድትኻ፡ “ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ኢኻ እተሕልፍ ዘለኻ” ትብለካ ትኸውን። ነዚ ኸም ወቐሳ ጌርካ ስለ እትወስዶ፡ “ናተይ ጌጋ ኣይኰነን። ወጻኢታት ስለ እተብዝሒ፡ ተወሳኺ ሰዓታት ክሰርሕ ኣሎኒ” ኢልካ ትምልስ። መጻምድትኻ ኸምኡ ዝበለትሉ ምኽንያት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብሓንሳእ ግዜ ኸተሕልፉ ስለ ዝደለየት ብምዃኑ፡ “እወቕሰካ ኣይኰንኩን ዘሎኹ” ኢላ ትጭድር።

ተቐዳዲምካ ፍታሕ ኸተናዲ ኸለኻ። መርሲ፡ b “ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒተይ ኪገልጽ ጥራይ እየ ዝደሊ። ማይክ ግና፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክፈትሖ ኸም ዘሎኒ ኽነግረኒ ይደሊ። ነቲ ጕዳይ ኪፈትሖ ኣይደልን እየ። ስምዒተይ ክፈልጠለይ ጥራይ እየ ዝደሊ” ትብል። እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ማይክ፡ ብሓሳቡ ፍታሕ ከናዲ ስለ ዚጽዕር፡ ንገሊኡ ወይ ንዅሉ እቲ መርሲ እትዛረቦ ነገራት ከይስምዖ ይተርፍ።

እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ጽን በሃሊ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ምሉእ ኣቓልቦኻ ሃባ። መጻምድትኻ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክትነግረካ ደልያ ኣላ ንበል፣ እሞኸ ንኽትሰምዓ ድሉው ዲኻ፧ ከይትኸውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ኣይተምስል። እንተ ተኻኢሉ፡ ነቲ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣቋሪጽካ፡ ንመጻምድትኻ ምሉእ ኣቓልቦ ሃባ፣ ወይ ከኣ፡ ምሉእ ኣቓልቦኻ ኽሳዕ እትህባ ንኽትጽበየካ ኽትሓትታ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1:19

በብተራ ኽትዛረቡ ተሰማምዑ። ንኽትሰምዕ ተራኻ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድትኻ ኸይተቋርጻ ተጠንቀቕ፡ ወይ ከም ዘይተሰማማዕካ ንኽትገልጽ ኣይትተሃወኽ። ተራኻ ምስ ኣኸለ ኽትዛረብ ኢኻ። ንሕጂ ግና ስቕ ኢልካ ስማዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 18:13

ሕቶታት ሕተት። ሕቶታት ምሕታት ነቲ መጻምድትኻ እትብሎ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መርሲ፡ “ማይክ፡ ሕቶታት ኪሓትተኒ ኸሎ ደስ እዩ ዚብለኒ። ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ ዝዛረቦ ዘለኹ ነገራት ከም እተገደሰሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ቃላት ዘይኰነስ፡ መልእኽቲ ስማዕ። ኣካላውን ናይ ዓይንን ምንቅስቓስ ወይ ቃና ድምጺ ንዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኣስተብህለሉ። ንኣብነት፡ “ጽቡቕ እዩ” ዚብል ቃላት እተዘርበሉ መገዲ፡ “ጽቡቕ ኣይኰነን” ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “‘ክሕግዘኪዶ፧’ ኢልካኒ ኣይትፈልጥን ኢኻ” ዚብል ቃላት፡ “ብኣይ እትግደስ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ” ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መልእኽቲ ብቓላት እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ እንታይ ምዃኑ ኽትርድኦ ጽዓር። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብ እተዘርበ ቓላት ጥራይ ብምክርኻር ግዜኻ ኽትቀትል ኢኻ።

ስቕ ኢልካ ስምዓያ። ሓድሓደ ግዜ እቲ መጻምድትኻ እትዛረቦ ነገራት ባህ እኳ እንተ ዘይበለካ፡ እናተዛረበት ከላ ብሓሳብካ ኣይትግሽ ወይ ገዲፍካያ ኣይትኺድ። ንኣብነት፡ ትወቕሰካ ኣላ ንበል። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ን60 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሐ ግሪጎሪ፡ “ስቕ ኢልካ ስምዓያ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ነቲ መጻምድትኻ እትብሎ ዘላ ነገራት ካብ ልቢ ኸም እትግደሰሉ ኣርኢ። ከምዚ ንኽትገብር ብስለት ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ዓስቢ ኣለዎ” ብምባል ይገልጽ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 18:15

ንመጻምድትኻ ኻብ ልቢ ተገደሰላ። ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ ፍቕሪ እውን እዩ። መጻምድትኻ ንእትብሎ ነገር ብሓቂ ትግደሰሉ እንተ ዄንካ፡ ከይተፈለጠካ ብባህርያዊ መገዲ፡ ጽን ኢልካ ኽትሰምዓ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ትስዕቦ ኣለኻ ማለት እዩ።—ፊልጲ 2:4

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሰብኡት እኳ ንዛረቦም እንተ ኣለና፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳብ ግና ንኣንስቲ እውን ዚምልከት እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።