ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ዴቪ ሎስ

ሓደ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ባዮከሚከኛ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶክተር ዴቪ ሎስ ኣብ በልጅዩም ዚነብር ባዮከሚከኛ እዩ። ሓደ እዋን፡ ህልውና ኣምላኽ የጠራጥሮን ኣብ ፍልቀት ይኣምንን ነበረ። ጸኒሑ ግና፡ ኣረኣእያኡ ቐየረ። ነቲ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝነበሮ እምነት እንደገና ንኺሓስበሉ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንቕሑ! ንዶክተር ሎስ ብዛዕባ ስነ ፍልጠትን ብዛዕባ እምነቱን ሓቲታቶ ኣላ።

ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ክትገብር ዝጀመርካ ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸለኹ፡ ኬሚስትሪ ኸጽንዕ መረጽኩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ፕላኔትና ኻብ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሞለክዩል ንላዕሊ ሕልኽልኽ ዝበለ ፕሮቲንን ኑክሊይክ ኣሲድን ኣዝዩ መሰጠኒ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ብርሃን ጸሓይ ኣብ ገሊኡ ሞለክዩላት ዜሕድሮ ጽልዋ ኼገርመኒ ጀመረ።

ኣብ ኣምላኽ ትኣምንዶ ኔርካ፧

ንእሽቶ ኸለኹ እኣምን ነይረ። ጸኒሐ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ለቨን ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካቶሊክ ከለኹ፡ ህያዋን ነገራት ብፍልቀት ከም ዝመጹ ተመሃርኩ። እቶም ፕሮፌሰራት ንገሊኡ መስርሓት ብእተሓላለኸ መገዲ እዮም ዚገልጽዎ ነይሮም። ተመክሮ ዘለዎም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ነቲ ዝበልዎ ኣመንኩሉ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንህልውና ኣምላኽ ምቕባል ኣዝዩ ኸበደኒ።

ብዛዕባ መበቈል ህይወት እንደገና ኸም እትሓስብ ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

ብ1999 ምስ ሓደ መማህርተይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ፣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባ ድማ ተኣከብኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ እውን፡ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጺኡ፡ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ (ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበኒ። a

ነታ መጽሓፍ ከመይ ረኺብካያ፧

እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት፡ ግቡእ ምርምር እተገብረሉ ምዃኑ ኣዝዩ መሰጠኒ። ፍልቀት ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ንድፊ ብዚግባእ ዚገልጾ እንተ ዀይኑ እውን ክጠራጠር ጀመርኩ።

ኣየናይ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ንድፊ እዩ መሲጡካ፧

እቲ ኸም ባዮከሚከኛ መጠን ዝሰርሖ ስራሕ፡ ብዛዕባ ንድፊ ሞለክዩል እቶም ኣብ ውቅያኖስ ዚርከቡ ሳያኖባክተርያ (ዓይነት ሰበባ) ምጽናዕ ዜጠቓልል እዩ፣ እዞም ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚረኣዩ ደቀቕቲ ነፍሳት፡ ምግቢ ንምርካብ ኣብ ካልኦት ህያዋን ነገራት ኣይጽግዑን እዮም። ገሊኦም ተመራመርቲ፡ እዞም ነፍሳት እዚኦም፡ ኣብ ምድርና ዝነበሩ ቐዳሞት ህያዋን ነገራት ከም ዝዀኑ እዮም ዚሓስቡ። እቶም ነፍሳት ነቲ ኻብ ብርሃን ጸሓይ ዚረኽብዎ ጸዓት ከምኡውን ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይከኣልና ኣዝዩ እተሓላለኸ ከሚካዊ መስርሕ ተጠቒሞም፡ ንማይን ንካርቦን ዳይኦክሳይድን ናብ ምግቢ ይቕይርዎ። እቲ ብርሃን ንምርካብ ዚጥቀሙሉ ዜደንቕ መገዲ እውን ኣዝዩ እዩ ኣደኒቑኒ።

ኣቝጽልቲ እውን እኮ ብብርሃን ጸሓይ ተጠቒሞም ምግቦም የዳልዉ እዮም። ነዞም ባክተርያ እዚኦም ፍሉያት ዚገብሮም ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ናብ ውሽጢ ባሕሪ ብዝያዳ ብዝኣተኻ መጠን፡ ብርሃን እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዚነብሩ ሳያኖባክተርያ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዚረኽብዎ ብርሃን ኪዕቅብዎ ኣለዎም፣ ነዚ ኸኣ በቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣንቴናኦም ተጠቒሞም እዮም ዚፍጽምዎ። ሽዑ እቲ እተኣከበ ጸዓት፡ ዳርጋ ሚእቲ ኻብ ሚእቲ ኣድማዒ ብዝዀነ መገዲ ናብቲ ምግቢ ዚዳለወሉ ማእከላት ይመሓላለፍ። ንድፊ እቲ ብርሃን ዚዕቅብ ኣካል፡ ንኣቓልቦ እቶም ብጸሓያዊ ጸዓት ዚሰርሕ ኣቕሑ ዜዳልዉ ሰብ ፋብሪካ እውን እንተ ዀነ ስሒብዎ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ኣብ ፋብሪካ ዚስራሕ ብጸሓያዊ ጸዓት ዚዓዪ ባትርታት፡ ልክዕ ከምቲ ባክተርያ ኣድማዒ ኣይኰነን።

እዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እትበጽሕ እዩ ገይሩካ፧

መሃንድሳት ነቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዚርከብ ዜደንቕ መስርሕ ኪቐድሕዎ ኸም ዚጽዕሩ ኽሓስብ ምስ ጀመርኩ፡ ‘ህይወት ብኣምላኽ እተነድፈት ክትከውን ኣለዋ’ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጻሕኩ

መሃንድሳት ነቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዚርከብ ዜደንቕ መስርሕ ኪቐድሕዎ ኸም ዚጽዕሩ ኽሓስብ ምስ ጀመርኩ፡ ‘ህይወት ብኣምላኽ እተነድፈት ክትከውን ኣለዋ’ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጻሕኩ። እምነተይ ግና ኣብቲ ኣብ ስነ ፍልጠት ዝገብሮ መጽናዕቲ ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን ነይራ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርክዎ ዓሚቝ መጽናዕቲ እውን እተመርኰሰት እያ ነይራ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብቲ ዘእመነኒ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት ብዝርዝር እተፈጸመሉ መገዲ እዩ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ ዘመናት ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሞትን ኣቀባብራን የሱስ ብዝርዝር እዩ ጽሒፉ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ቅድሚ ሞት የሱስ ከም እተጻሕፈ ድማ ንፈልጥ ኢና፣ ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ቁምራን እተረኽበ ጥቕላል ኢሳይያስ፡ የሱስ ከይተወልደ ኸሎ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ተቐዲሑ።

እቲ ትንቢት፡ “መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታማት ኰነ” ይብል። (ኢሳይያስ 53:9, 12) እቲ ዜገርም፡ የሱስ ምስ ገበነኛታት እኳ እንተ ተቐትለ፡ ኣብ ናይ ሃብታማት ስድራ ቤት መቓብር እዩ ግና ተቐቢሩ። እዚ ኣብነት እዚ፡ ካብቲ እተፈጸመን መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ኻብ ዘእመነንን ትንቢታት፡ እቲ ሓደ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ዜሐጕሰካ ስለምንታይ እዩ፧

እምነትና ኣብቲ ንሓቅታት ስነ ፍልጠት ዕሽሽ ዚብሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ዚእመነሉ ነገራት እተመርኰሰት ኣይኰነትን

እምነትና ኣብቲ ንሓቅታት ስነ ፍልጠት ዕሽሽ ዚብሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ዚእመነሉ ነገራት እተመርኰሰት ኣይኰነትን። እቲ እንምርሓሉ ስርዓታት ከኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃነይ መጠን፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ እነግሮምን ንሕቶታቶም ዚኸውን መልሲ ንኺረኽቡ እሕግዞምን እየ።

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።