ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 03

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተስፋታትን ምኽርን ይህብ እዩ። መሸም እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ትደሊ ኢኻ፣ ግናኸ፡ ዜጠራጥረካ ነገራት ይህሉ ይኸውን። እሞ ደኣ ነቲ ኣብዚ ጥንቲ እተጻሕፈ መጽሓፍ ዘሎ ተስፋታትን ምኽርን ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሕጂ ህይወትናን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወትናን ዚብሎኸ ብሓቂዶ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፧ ሚልዮናት ይኣምንዎ እዮም። ንስኻ እውን ክትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካ እስከ ንርአ።

1. መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ፡ “ልክዕ ቃላት ሓቂ” ኸም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 12:10) ናይ ሓቂ ሰባት እተሳተፍዎ ናይ ሓቂ ታሪኽ የዘንቱ እዩ። (ሉቃስ 1:3፣ 3:1, 2 ኣንብብ።) ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ ጥንትን ንልክዕነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ዕለታትን ሰባትን ቦታታትን ፍጻመታትን ኣረጋጊጾም እዮም።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። ንኣብነት፡ ስነ ፍልጠታዊ ነገራት ይተናኺ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ዚብሎ፡ ኣብቲ እተጻሕፈሉ ግዜ ኣከራኻሪ እዩ ነይሩ። ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እወ፡ “ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን እዩ።”መዝሙር 111:8

3. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ገና ዘይተገብረ” እተነግረሉ ትንቢታት a ሒዙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:10) ኣብ ታሪኽ ንእተኸስተ ሓያሎ ነገራት፡ ገና ኸይኰነ ኸሎ ብልክዕ ተነብይዎ ነይሩ እዩ። ነዚ ሎሚ ዘሎ ዅነታት ዓለም እውን ብልክዕ ገሊጽዎ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ገለ ኻብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና። ልክዕነቱ ድማ ዜስደምም እዩ!

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ መርምር፣ ገለ ኻብቲ መሳጢ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣጽንዕ።

4. ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ

ጥንቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ምድሪ ኣብ ገለ ነገር ከም እተቐመጠት ይኣምኑ ነይሮም። ቪድዮ ኣጻውት።

ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንታይ ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። እዮብ 26:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   እቲ ምድሪ “ኣብ ገለ ዘይብሉ” ኸም እተንጠልጠለት ዚገልጽ ሓሳብ ዜገርም ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ንናይ ምድሪ ዑደት ማይ ክሳዕ 1800ታት ኣጸቢቖም ኣይተረድእዎን ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ግና እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። እዮብ 36:27, 28 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   እዚ ብዛዕባ ዑደት ማይ ሰፊሩ ዘሎ ቐሊል መግለጺ ኣገራሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  •   እዚ ዘንበብካዮ ጥቕስታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት ኣደልዲሉልካዶ፧

5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዳሲ ፍጻመታት ይንበ

ኢሳይያስ 44:27–45:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ውድቀት ባቢሎን 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ እንታይ ነገራት እዩ ብዝርዝር ተነብዩ፧

ብ539 ቅ.ክ.፡ b ቂሮስ ንጉስ ፋርስን ሰራዊቱን ንኸተማ ባቢሎን ከም ዝሰዓርዋ ታሪኽ የረጋግጽ እዩ። ኣብ ፈለማ ነቲ ንኸተማ ባቢሎን ከም መከላኸሊ ዀይንዋ ዝነበረ ፈለግ ኣንፈቱ ቐየርዎ። ድሕሪኡ፡ በቲ ኽፉት ዝጸንሖም ኣፍ ደገታት ምስ ኣተዉ፡ ብዘይ ውግእ ነታ ኸተማ ተቘጻጸርዋ። ሎሚ፡ ድሕሪ 2,500 ዓመት፡ ባቢሎን ዑና ዀይና ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እተነበየ ኣስተብህል።

ኢሳይያስ 13:19, 20 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝወረደ ነገር ንፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ዘመናዊት ዒራቕ ዚርከብ ዑናታት ባቢሎን

6. መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንእንርእዮ ነገራት ተነብዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብዛዕባ እዚ እዋን እዚ እንታይ ከም እተነበየ እሞ ኣስተብህል።

ማቴዎስ 24:6, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ዓብዪ ፍጻመታት ከም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ፧

ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት እንታይ ባህርያት ከም ዚህልዎም እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ፧

  •   ካብዚ ባህርያት እዚኸ ኣየናይ ተዓዚብካ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኻትን ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ።”

  •   መጽሓፍ ቅዱስ እሙን ምዃኑ ዜርኢ ዝሓየለ መርትዖ እንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

ታሪኽን ስነ ፍልጠትን ትንቢትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ይሕብር።

ክለሳ

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሓዘ መጽሓፍ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

  •   ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዓሉ ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ፍልጠታዊ ጌጋታት ኣሎዶ፧

“ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ትፈልጥ፧

“ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ 6 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ግንቦት 2011)

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ እተነበዮ ትንቢታት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ርአ።

በቲ “ትንቢታዊ ቓል” ጸኒዕና (5:22)

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ኣንብብ።

“ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 5 2017)

a ትንቢት ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መልእኽቲ እዩ።

b ቅ.ክ. ኪብሃል ከሎ፡ “ቅድሚ ክርስቶስ፡” ድ.ክ. ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ “ድሕሪ ክርስቶስ” የመልክት።