ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 02

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ስቓይ ዜስዕብ ጸገማት የጓንፎም ኣሎ። ንስኻኸ ኸምኡ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ብሰንኪ ሕማም ወይ ሞት እትፈትዎ ሰብካ መከራ ረኺብካ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ‘ህይወትና ኺመሓየሽ ድዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ዚኸውን፡ ዜጸናንዕ መልሲ ይህብ እዩ።

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተስፋ ዚህብ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓለም ብጸገማት መሊኣትሉ ዘላ ምኽንያት ጥራይ ኣይኰነን ዚገልጽ። የግዳስ፡ እዚ ጸገማት እዚ ግዜያዊ ኸም ዝዀነን ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚውገድን እውን የበስር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት፡ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 29:11, 12 ኣንብብ።) እዚ ተስፋታት እዚ ኸኣ ንጸገማትና ኽንጻወሮ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና፡ ከምኡ እውን ነባሪ ሓጐስ ክንረክብ ይሕግዘና እዩ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት መጻኢ እዩ ዜተስፉ፧

ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ መጻኢ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4 ኣንብብ።) እቲ ሎሚ ንህይወት ተስፋ ኣልቦ ዚገብራ ኸም ድኽነት፡ ዘይፍትሓውነት፡ ሕማም፡ ሞት ዝኣመሰለ ጸገማት ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

3. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ብኸመይ ክትኣምኖ ትኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ኪኸውን ተስፋ ይገብሩ እዮም። ተስፋኦም ከም ዚፍጸም ግና ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ግና፡ ካብዚ እተፈልየ እዩ። “ቅዱሳት ጽሑፋት [ብምምርማር፡]” ኣብቲ ዚብሎ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ ኽትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ባዕልኻ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋታት መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ሎሚ ንሰባት ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዘሎ እውን ርአ።

4. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል የተስፉ

ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ርአ። ካብዚ ምናዳ ንዓኻ ዚስሕበካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

ነቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ተስፋታት ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ነዚ ሕቶታት እውን ተመያየጡሉ፦

  •   እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ዚህብዶ ይመስለካ፧ ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻንከ ተስፋ ኺህቦም ይኽእልዶ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ

ሓደ እኳ . . .

ኵሉ ሰብ . . .

  •   ኣይኪሳቐን፡ ኣይኪኣርግን፡ ወይ ኣይኪመውትን እዩ።—ኢሳይያስ 25:8

  •   ንዚፈትዎ ሰቡ ኣብ ምድሪ ብትንሳኤ ኺረክብ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

  •   ጽቡቕ ጥዕናን ንእስነትን ኪረክብ እዩ።—እዮብ 33:25

  •   ብዚርብሽ ሓሳባት ወይ ተዘክሮታት ኣይኪሳቐን እዩ።—ኢሳይያስ 65:17

  •   ኣብ ብሉጽ ኵነታት ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።—መዝሙር 37:29

5. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንህይወትና ኼመሓይሾ ይኽእል

ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ከባቢኦም ዚርእይዎ ጸገማት ይጕህዩ ወይ ይቝጥዑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ለውጢ ኼምጽኡ ኢሎም ይቃለሱ እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኵነታት ከም ዚመሓየሽ ዜተስፍዎ ተስፋ ሕጂ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ርአ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   ኣብታ ቪድዮ፡ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ ንራፊካ ረቢሽዋ፧

  •   እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር እቲ እኳ እንተ ዘይተወገደ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ፡ ምስ ምቝራጽ ተስፋ ኽንቃለስን ንጸገማትና ኽንጻወርን ይሕግዘና። ምሳሌ 17:22 ሮሜ 12:12ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  •   እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተስፋ ሕጂ ንህይወትካ ኼመሓይሻ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይከ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋታት ዘይእመን እዩ።”

  •   ብዛዕባ እዚ ዘሎ መርትዖ ኽትምርምር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜሐጕስ መጻኢ የተስፉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ተስፋ ይህበና፡ ንጸገማትና ኽንጻወሮ እውን የኽእለና።

ክለሳ

  •   ሰብ ተስፋ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ይብል፧

  •   ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ምህላው፡ ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ሓይሊ ፍለጥ።

“ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧” (ንቕሑ!፡ 22 ሚያዝያ 2004)

ተስፋ ነቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ብኸመይ ከም እትሕግዞም ርአ።

“ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ነዛ ሙዚቃዊት ቪድዮ እዚኣ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዋ ገነት ትነብሩ ኸም ዘለኹም ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣል።

Imagine the Time (3:37)

ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚቃለስ ዝነበረ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋ ንህይወቱ ብኸመይ ከም ዝቐየረሉ ኣንብብ።

“ሕጂ፡ ንዓለም ክቕይራ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2013)