ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧

ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ዚጠቕሶ ስነ ፍልጠታዊ ነገራት ልክዕ እዩ። ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ዚሰማማዕ ምዃኑ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ድማ ካብ እምነታት እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ዚፍለ ምዃኑ ዜርኢ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

  •   ዩኒቨርስ መጀመርታ ነይርዎ እዩ። (ዘፍጥረት 1:1) ሓያሎ ጥንታዊ ኣፈ ታሪኽ ግና ዩኒቨርስ ከም እተፈጥረ ዘይኰነስ፡ ድሮ ኻብ ዝጸንሐ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ነገር ከም እተኣኻኸበ እዩ ዚገልጽ። ባቢሎናውያን ከኣ እቶም ንዩኒቨርስ ዝወለዱ ኣማልኽቲ ኻብ ክልተ ውቅያኖሳት ከም ዝመጹ ይኣምኑ ነይሮም። ካልእ ኣፈ ታሪኽ ድማ ዩኒቨርስ ካብ ሓደ ዓብዪ እንቋቝሖ ኸም ዝመጸ ይገልጽ።

  •   ዩኒቨርስ በብመዓልቱ ብሕግታት ተፈጥሮ እምበር፡ ብቓሕታ ኣማልኽቲ ኣይኰነን ዚመሓደር። (እዮብ 38:33፣ ኤርምያስ 33:25) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ኣፈ ታሪኽ፡ ሰባት ካብቲ ብሃንደበት ዜጋጥም ነገራትን ካብቲ ሕሱም ተግባራት ኣማልኽትን ረዳኢ ኸም ዘይብሎም ይምህር እዩ።

  •   ምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ህዋ እያ ተንጠልጢላ ዘላ። (እዮብ 26:7) ብዙሓት ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ምድሪ ብሓደ ዓርሞሸሽ ወይ ድማ ብኸም ብዕራይ በረኻ ወይ ጐብየ ዝኣመሰሉ እንስሳታት እተደገፈት ጸፋሕ ነገር ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነይሮም።

  •   ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ካብቲ ኻብ ውቅያኖሳትን ካልእ ምንጭታትን ዝሃፈፈ እሞ ጸኒሑ ኸም ዝናም፡ ውርጪ፡ ወይ በረድ ኰይኑ ናብ ምድሪ ዝወረደ ማያት እዩ ዚፍጠር። (እዮብ 36:27, 28፣ መክብብ 1:7፣ ኢሳይያስ 55:10፣ ኣሞጽ 9:6) ጥንቲ ዝነበሩ ግሪኻውያን ግና ኣፍላግ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ውቅያኖሳት ከም ዚፍጠር እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፣ እዚ ኣተሓሳስባ ድማ ክሳዕ መበል 18 ዘመን ቀጺሉ እዩ።

  •   ኣኽራን ይቘሙን ይፈርሱን እዮም፣ እዚ ሎሚ ዘሎ ኣኽራን ድማ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ውቅያኖስ እዩ ነይሩ። (መዝሙር 104:6, 8) ብኣንጻሩ፡ ሓያሎ ኣፈ ታሪኽ፡ ኣኽራን ነዚ ሕጂ ዘለዎ ቕርጺ ሒዙ ብኣማልኽቲ ኸም እተፈጥረ እዩ ዚገልጽ።

  •   ጽሬት ንሓለዋ ጥዕና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ንህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ሕጊ፡ ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ኺሕጸብ ከም ዘለዎ፡ ተላጋቢ ሕማም ዝሓመመ ኺውሸብ ከም ዘለዎ፡ ቀልቀል ድማ ብጥንቃቐ ኺውገድ ከም ዘለዎ ዚገልጽ መምርሒ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 11:28፣ 13:1-5፣ ዘዳግም 23:13) ብኣንጻሩ፡ እዚ ሕግታት እዚ ኣብ እተዋህበሉ እዋን፡ ግብጻውያን ቍስሊ ንምሕካም፡ ቀልቀል እተሓወሶ ነገር ይጥቀሙ ነይሮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ፍልጠታዊ ጌጋታት ይርከብ ድዩ፧

 ንመጽሓፍ ቅዱስ ብርትዓዊ መገዲ እንተ መርሚርካዮ፡ እቲ መልሲ ‘ኣይፋል’ ዚብል እዩ። ገለ ኻብቲ ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ግጉይ ርድኢት እንሀ፦

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዩኒቨርስ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለወን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም እተፈጥረ ይገልጽ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ንውሓቱ ኣብ ዘይተወሰነ እዋን ከም ዝፈጠሮ እዩ ዚገልጽ። (ዘፍጥረት 1:1) ብዘይካዚ፡ እተን ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ተጠቒሰን ዘለዋ መዓልትታት ፍጥረት፡ ንውሓቱ ንዘይተገልጸ መዋእላት እየን ዜመልክታ። ከም ሓቂ፡ ብምሉኡ እቲ ምድርን ሰማይን እተገብረሉ እዋን፡ “መዓልቲ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ዘፍጥረት 2:4

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመስርሕ ጽማረ ብርሃን (ፎቶሲንተሲስ) እተድሊ ጸሓይ ከይተፈጥረት፡ ኣትክልቲ ከም እተፈጥረ ይገልጽ እዩ።—ዘፍጥረት 1:11, 16

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ሓንቲ ኻብቲ ን“ሰማያት” ዜቕውም ከዋኽብቲ ዝዀነት ጸሓይ፡ ቅድሚ ኣትክልቲ ኸም እተፈጥረት እዩ ዚሕብር። (ዘፍጥረት 1:1) ኣብታ ቐዳመይቲ “መዓልቲ፡” ወይ መዋእል ፍጥረት፡ እተበተነ ብርሃን ጸሓይ ናብ ገጽ ምድሪ በጽሐ። ኣብታ ሳልሰይቲ “መዓልቲ” ፍጥረት እቲ ሃዋህው ስለ ዝጸረየ፡ ንመስርሕ ጽማረ ብርሃን ዜድሊ እኹል ብርሃን ጸሓይ ኪህሉ ኸኣለ። (ዘፍጥረት 1:3-5, 12, 13) ጸሓይ ካብ ምድሪ ብንጹር ክትርአ ዝጀመረት ግና ጸኒሓ እያ።—ዘፍጥረት 1:16

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸሓይ ኣብ ዙርያ ምድሪ ኸም እትዘውር ይገልጽ እዩ።

 ሓቂ፦ መክብብ 1:5፡ “ጸሓይ ትበርቕ፡ ጸሓይ ድማ ትዓርብ፣ ተቐላጢፋ እውን ናብቲ መሊሳ እትበርቀሉ ቦታ ትምለስ” ትብል። ግናኸ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ነቲ ኻብ ምድሪ ዄንካ ዚርአ ጸሓይ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ዚመስል ትርኢት ጥራይ እዩ ዚገልጽ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ ሰብ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር እናፈለጠ፡ “ጸሓይ በሪቓ” ወይ፡ “ጸሓይ ዓሪባ” ኺብል ይኽእል እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ጸፋሕ ከም ዝዀነት ይገልጽ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ “ወሰናት ምድሪ” ምባሉ፡ ንርሑቕ ኽፋል ምድሪ ዜመልክት ደኣ እምበር፡ ምድሪ ጸፋሕ ምዃና፡ ወይ ኣርባዕተ ኵርናዕ ከም ዘለዋ ዝሕብር ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ብተመሳሳሊ፡ እቲ፡ “ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ” ዚብል መግለጺ ንመላእ ገጽ ምድሪ ዜመልክት ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ፣ ሎሚ እውን ሓደ ሰብ ተመሳሳሊ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 11:12፣ ሉቃስ 13:29

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዙርያ ኽቢ ማዕረ ሰለስተ ዕጽፊ ሰንጣቒቱ ኸም ዝዀነ ይገልጽ እዩ፣ እቲ ልክዕ ዓቐን ግና ፓይ (π) ወይ ኣስታት 3.1416 እዩ።

 ሓቂ፦ እቲ ኣብ 1 ነገስት 7:23ን ኣብ 2 ዜና መዋእል 4:2ን ተጠቒሱ ዘሎ ዓቐን እቲ “ናይ ፍሲ ባሕሪ፡” 10 እመት ሰንጣቒት ከም ዝነበሮ፡ “ዙርያኡ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 30 እመት ዝንውሓቱ ገመድ” ከም ዝዀነ ይሕብር። እዚ ዓቐን ግና ናብቲ ኣዝዩ ዝቐረበ ምሉእ ቍጽሪ ተጸጋጊዑ እተሓበረ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ብዘይካዚ፡ እቲ እተሓበረ ዙርያ ነቲ ውሽጣዊ ዓቐን፡ እቲ ሰንጣቒት ድማ ነቲ ግዳማዊ ዓቐን እቲ ገበራ ኼመልክት እውን ይኽእል እዩ።