ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

ንዓለምና ኣብ መጻኢ እንታይ ዜጋጥማ ይመስለካ፧

  • ከምዛ ዘላታ እትቕጽል

  • ካብዚ ዘላቶ እትገድድ

  • ካብዚ ዘላቶ እትመሓየሽ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”​—ራእይ 21:3, 4ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ስራሕ ይህልወካ።​—ኢሳይያስ 65:21-23

ሕማም ወይ መከራ ዘይብሉ ህይወት ይህልወካ።​—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24

ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን እናተሓጐስካ ንዘለኣለም ትነብር።​—መዝሙር 37:11, 29

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሱ ጥራይ እዩ “ዅሉ እትኽእል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። (ራእይ 15:3) ስለዚ፡ ነቲ ንዓለምና ዝሓሸት ከም ዚገብራ ዘተስፈዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ ይኽእል እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ብኣምላኽ . . . ኵሉ ይከኣል እዩ።”​—ማቴዎስ 19:26

  • ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ሃረር ይብል እዩ።​—እዮብ 14:14, 15

    ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ኬሕዊ ድሌት ስለ ዝነበሮ እዩ። (ማርቆስ 1:40, 41) የሱስ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ኪሕግዞም ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንባህርያት ኣቦኡ ብፍጹም መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ።​—ዮሃንስ 14:9

    ስለዚ፡ የሆዋን የሱስን፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኺህልወና ኸም ዚደልዩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—መዝሙር 72:12-14፣ 145:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:9

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣምላኽ ንዓለምና ዜመሓይሻ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዳንኤል 2:44 ይምልሳ እዩ።