ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ኣይንደልን ኢና’ ንዝበሉ ሰባት፡ ስለምንታይ እዮም መሊሶም ዜዘራርብዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ኣይንደልን ኢና’ ንዝበሉ ሰባት፡ ስለምንታይ እዮም መሊሶም ዜዘራርብዎም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽን ንሰባትን ብዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ‘ኣይንደልን ኢና’ ዝበሉ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ የካፍሉ እዮም። (ማቴዎስ 22:37-39) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ወዱ፡ “ኣጸቢቕና ኽንምስክር” ዝሃበና ትእዛዝ ክንሕሉ ትድርኸና እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ከምኡ ንምግባር ድማ፡ ከምቶም ጥንታውያን ነብያት ኣምላኽ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ደጋጊምና ንነግር ኢና። (ኤርምያስ 25:4) ንሰባት ፍቕሪ ስለ ዘላትና፡ ንዅሎም፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ፈለማ ‘ኣይንደልን’ ዝበሉ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ህይወት ዜድሕን “ብስራት መንግስቲ” ነካፍሎም ኢና።—ማቴዎስ 24:14

 ናብ ቤት እቶም ‘ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ምስ እንምለስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሌት ዘለዎም ንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ በዚ ዚስዕብ ሰለስተ ምኽንያት እዩ፦

  •   ናብቲ ቤት ካልኦት ሰባት ኪኣትዉ ስለ ዚኽእሉ።

  •   ኣብቲ ቤት ዚነብሩ ካልኦት፡ ነቲ መልኽትና ኺሰምዑ ስለ ዚደልዩ።

  •   ሰባት ኣረኣእያኦም ስለ ዚቕይሩ። ንገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት ወይ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ነገራት፡ ‘መንፈሳዊ ነገራት ኪሃርፉን’ ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑን ይድርኾም እዩ። (ማቴዎስ 5:3) እቶም ዚቃወሙ ዝነበሩ እውን ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ኪቕየሩ ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 1:13

 ይኹን እምበር፡ መልእኽትና ኺሰምዕ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይነገድድን ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣምልኾ ነናቱ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።—ዘዳግም 30:19, 20