ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ናይ ርእሶም ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ዜዘራርብዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ናይ ርእሶም ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ዜዘራርብዎም፧

 ብዙሓት ናይ ርእሶም ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ዛዕባታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሳና ምዝርራብ ባህ የብሎም እዩ። ሓደ ሰብ ካባና እተፈልየ እምነት ኺሕዝ ንዘለዎ መሰል ነኽብረሉ ኢና፣ መልእኽትና ኺሰምዑ ድማ ንሰባት ኣይነገድዶምን ኢና።

 ምስ ካልኦት ብዛዕባ ሃይማኖት ክንመያየጥ ከለና፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ኢና እንገብሮ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ካልኦት ሰባት ንመልእኽትና ከይቕበልዎ ኸም ዚኽእሉ እንጽበዮ ነገር እዩ። (ማቴዎስ 10:14) ይኹን እምበር፡ ከየዘራረብናዮም ምላሾም ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኵነታት ሰባት እውን ኪቀያየር ይኽእል እዩ።

 ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን ኬዘራርበና ግዜ ዘይነበሮ ሰብ፡ ኣብ ካልእ እዋን ኬዘራርበና ይኽእል ይኸውን። ሓድሓደ ሰባት ድማ ብሰንኪ ዜጋጠሞም ጸገማት ወይ ኵነታት፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ይለዓዓሉ ይዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ንሰባት ደጋጊምና ኸነዛራርቦም ንፍትን ኢና።