ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ስነ ፍልጠት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ስነ ፍልጠት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

 ስነ ፍልጠት ዓሚምዎ ንዘሎ ነገራት ኣኽብሮት ኣሎና፣ ብመርትዖ ንእተደገፈ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ድማ ንኣምነሉ ኢና።

 ብመሰረት ዘ ኮሊንስ ኮብዩልድ ኣድቫንስድ ለርነርስ ኢንግሊሽ ዲክሽነሪ ዚብሃል መዝገበ ቓላት፡ “ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ተፈጥሮን ጠባይን ባህርያዊ ነገራት ከምኡ ድማ ብዛዕባኦም ንእንረኽቦ ፍልጠት ዜጽንዕ ዓውዲ እዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሰባት ብዛዕባ ተፈጥሮ ኼጽንዑን ካብ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ካልኦት ኪጥቀሙን የተባብዕ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ፦

  •   ስነ ኰዀብ፦ “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ። ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣ ብስሞም ይጽውዖም።”—ኢሳይያስ 40:26

  •   ስነ ህይወት፦ ሰሎሞን “ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቍል ሃዛብ ይዛረብ ነበረ። ብዛዕባ እንስሳታትን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምትን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ይዛረብ ነበረ።”—1 ነገስት 4:33

  •   መድሃኒት፦ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።”—ምሳሌ 17:22

  •   ስነ ጠፈር፦ “ናብ ማዕከን ውርጪ ኣቲኻ፡ ማዕከን በረድከ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ . . . ንፋስ ምብራቕከ ኻበይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነፍስ፧”—እዮብ 38:22-24

 ጽሑፋትና ብዛዕባ ተፈጥሮን ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዝዓመሞ ዕማማትን ዚገልጽ ዓንቀጻት ሒዙ ስለ ዚወጽእ፡ ሰባት ንስነ ፍልጠት ኣኽብሮት ኪሓድሮም የተባብዕ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ፡ ደቆም ብዛዕባ ዓለም ዝሓሸ ምርዳእ ምእንቲ ኼጥርዩ፡ ትምህርቶም ብግቡእ ኪከታተሉ የተባብዕዎም እዮም። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣብ ባዮኬምስትርን ሕሳብን ፊዚክስን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓውዲ ስነ ፍልጠትን ይዓይዩ እዮም።

ስነ ፍልጠት ዘለዎ ድሩትነት

 ስነ ፍልጠት ንዅሉ እቲ ሰባት ዜበግስዎ ሕቶታት ኪምልሶ ኸም ዚኽእል ግና ኣይንኣምንን ኢና። a ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ስነ መሬት፡ ምድሪ ብምንታይ ከም እተሰርሐት የጽንዑ እዮም፣ ተመራመርቲ ስነ ህይወት ድማ ሰብነትና ብኸመይ ከም ዚዓዪ የጽንዑ እዮም። ግናኸ፡ ምድሪ ንህይወት እትምሽእ ኰይና ብልክዕ እተወሃሃደት ስለምንታይ እያ፧ ኵሉ ኽፍሊ ሰብነትና ተወሃሂዱ ዚዓዪኸ ስለምንታይ እዩ፧

 ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ኺህበሉ ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ዝዀነ ኢና እንኣምን። (መዝሙር 139:13-16፣ ኢሳይያስ 45:18) ስለዚ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ ኻብ ስነ ፍልጠትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ምምሃር ዜጠቓልል ምዃኑ ኢና እንኣምን።

 ሓድሓደ ግዜ፡ ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ተገራጫዊ ዚመስል ነገራት ኣብቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ነገር ዘለዎም ግጉይ ምርዳእ እተመስረተ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ኣብ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም እተፈጥረት ኣይምህርን እዩ።—ዘፍጥረት 1:1፣ 2:4

 ብዙሓት ሰባት ከም ስነ ፍልጠታዊ ገይሮም ዚርእይዎ ገሊኡ ኽልሰ ሓሳብ፡ እኹል መርትዖ የብሉን፣ ልዑል ተቐባልነት ብዘለዎም ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን ተነጺጉ እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ህይወትን ስነ ቐመምን ካልኦት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን፡ ህያዋን ነገራት በቲ ራንደም ምዩቴሽን ከምኡ ድማ ናቹራል ሰሌክሽን ዚብሃል ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት ከም ዚፍጠር ይገብር እዩ ተባሂሉ ዚእመነሉ መስርሕን ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ኸም ዚመርጽ ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብን ከም ዘይፈለቑ እዮም ዚኣምኑ። ተፈጥሮ ብምስትውዓል እተነድፈ ኸም ዝዀነ ርኡይ ብምዃኑ፡ ንሕና እውን ልክዕ ከምቲ እዞም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እዚኣቶም ዘለዎም ኣረኣእያ እዩ ዘሎና።

a ተሸላሚ ኖቤል ዝዀነ ኦስትርያዊ ናይ ፊዚክስ ሊቅ ኤርዊን ሽሮዲንገር፡ ስነ ፍልጠት ‘ንዅሉ እቲ ኣዝዩ ዜገድሰና ነገራት መልሲ ኣይህበሉን እዩ’ ኢሉ ጸሓፈ። ኣልበርት ኣንስታይን ድማ፡ “ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ንምፍታሕ፡ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ ብመሪር ተመክሮ ተማሂርናዮ ኢና” በለ።