ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ግጉይ ርድኢት

  ጌጋ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ክርስትያናት ስለ ዘይኰኑ እዩ።

 ቅኑዕ፦ የሱስ መድሓኒና ምዃኑ ንኣምን ኢና። ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ድማ ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:21፣ ሉቃስ 2:11

  ጌጋ፦ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኣይትኣምኑን ኢኹም።

 ቅኑዕ፦ የሱስ ከም ዝተንስአ ንኣምን ኢና። ትንሳኤ የሱስ መሰረት እምነት ክርስትና ኸም ዝዀነ ንግንዘብ ኢና፣ ብዛዕባኡ እውን ንሰብኽ ኢና።—1 ቈረንቶስ 15:3, 4, 12-15

  ጌጋ፦ በዓል ትንሳኤ ስለ ዘይተብዕሉ፡ ደቅኹም ኪሕጐሱ ኣይትደልዩን ኢኹም።

 ቅኑዕ፦ ንደቅና ነፍቅሮም ኢና። ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ ድማ ነሰልጥኖምን ንሕግዞምን ኢና።—ቲቶስ 2:4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

  •   በዓል ትንሳኤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ።

  •   የሱስ ንሞቱ እምበር፡ ንትንሳኤኡ ኸነብዕል ኣይኣዘዘናን። ዓመት ዓመት ድማ ንሞት የሱስ ብመሰረት ኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ ነብዕሎ ኢና።—ሉቃስ 22:19, 20

  •   ልምድታት በዓል ትንሳኤ መበቈሉ ጥንታዊ ጽምብላት ፍርያምነት ስለ ዝዀነ፡ በዓል ትንሳኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኢና እንኣምን። ኣምላኽ ‘ንዕኡ ንበይኑ ውፉያት’ ክንከውን እዩ ዚደልየና፣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘይብሉ ልምድታት ዜጠቓልል ኣምልኾ ድማ የጕህዮ እዩ።—ዘጸኣት 20:5፣ 1 ነገስት 18:21

 በዓል ትንሳኤ ኸይነብዕል ዝወሰንና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪትና ኢና፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ልምድታት ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ እንስዕብ፡ “ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን” ክንጥቀም የተባብዓና። (ምሳሌ 3:21፣ ማቴዎስ 15:3) ካልኦት ኪሓትቱና ኸለዉ ብዛዕባ በዓል ትንሳኤ ዘሎና እምነት ንገልጽ እኳ እንተ ዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዘለዎ ናይ ምውሳን መሰል ግና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።—1 ጴጥሮስ 3:15