ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—2ይ ክፋል፦ ንውሉድካ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ትምህሮ፧

ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—2ይ ክፋል፦ ንውሉድካ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ትምህሮ፧

 ብዙሓት ወለዲ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘለዎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንደቆም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀሙ ኣይፈቕዱሎምን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ውሉድካ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም እንተ ፈቒድካሉ፡ ካብ ኣሉታዊ ጽልዋታቱ ምእንቲ ኺስተር፡ ብስነ ስርዓት እውን ምእንቲ ኺመላለስ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ቀዳምነታት ውሉድካ

 ክትፈልጦ ዘሎካ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ወልፊ ኼትሕዝ ስለ ዚኽእል፡ ውሉድካ ነቲ ኣብኡ ዜሕልፎ ግዜ ንምቍጽጻር ሓገዝካ ኼድልዮ ይኽእል እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ውሉድካ ኣብ ድቃስ፡ ኣብ ዕዮ ትምህርቲ፡ ወይ ምስ ስድራ ቤቱ ኼሕልፎ ዚግባእ ዝነበረ ግዜ ይሰርቆዶ፧ መንእሰያት ኣብ መዓልቲ ንኣስታት ትሽዓተ ሰዓት ኪድቅሱ ኸም ዜድልዮም ተመራመርቲ ይሕብሩ እዮም፣ እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰዓታት ዜሕልፉ መንእሰያት ግና፡ ካብ ሸውዓተ ሰዓት ዚውሕድ ድቃስ እዮም ዚረኽቡ።

 ክትገብሮ እትኽእል፦ ምስ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ኺሰርዖ ዚግባእ ቀዳምነታት ተመያየጥ፣ ንማሕበራዊ መራኸቢ ደረት ኪገብረሉ ኸም ዚግባእ እውን ኣዛርቦ። ሚዛናዊ ሕግታት ኣውጽኣሉ፣ ንኣብነት፡ ምሸት ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኡ ናብ መደቀሲ ኺወስዶ ኸም ዘይፍቀደሉ ሕጊ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ሸቶኻ ንውሉድካ ርእሰ ግትኣት ኬማዕብል ምሕጋዝ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ምስ ዓበየ እውን ክትጠቕሞ እያ።—1 ቈረንቶስ 9:25

 ስምዒታዊ ጥዕና ውሉድካ

 ክትፈልጦ ዘሎካ፦ ሓደ መንእሰይ እተዀሓሓለ ስእልታት መሓዙቱ ምስ ዚርኢ፡ እተጠልየ ዀይኑ ኺስምዖን ጭንቀት ኬሕድርን ይኽእል እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ቅንኢ . . . ኣርሕቑ።”—1 ጴጥሮስ 2:1

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ውሉድካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገዛእ ርእሱ ምስ ካልኦት ብምውድዳር፡ ብዛዕባ ትርኢቱን መልክዑን ሕማቕ ኣረኣእያ የሕድርዶ፧ ናይ ካልኦት ህይወት ባህ ዜብል፡ ናቱ ግና ሕማቕ ከም ዝዀነ ድዩ ዚስምዖ፧

 ክትገብሮ እትኽእል፦ ብዛዕባ እቲ ገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት ምውድዳር ዘለዎ ሓደጋታት ንውሉድካ ኣመያይጦ። ኣዋልድ ኣብ ርክባትን ኣብ መልክዕን ብዙሕ ኣትኵሮ ስለ ዚገብራ፡ ካብ ኣወዳት ንላዕሊ በዚ ኺጽለዋ ይኽእላ እየን። ውሉድካ ንእተወሰነ እዋን ማሕበራዊ መራኸቢ ኺሓድጎ እውን ሓሳብ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ጄኮብ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ንእተወሰነ ግዜ ነቲ ንማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀመሉ ኣፕሊኬሽን ሰሪዘዮ ነይረ። እዚ ኸኣ ቀዳምነት ዝህቦ ነገራትን ብዛዕባ ርእሰይ ኰነ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎኒ ኣረኣእያን ከዐሪ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል።

 ውሉድካ ኣብ ኦንላይን ዘለዎ ጠባይ

 ክትፈልጦ ዘሎካ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ምጥቃም፡ ናብራኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግህዶ ምስ ምንባር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ዘይምርድዳኣትን ግጭታትን ዘይተርፍ እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ። . . . ንሓድሕድኩም ለዋሃት . . . ኩኑ።”—ኤፌሶን 4:31, 32

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ንውሉድካ ኣብ ሕሜት፡ ግጭት፡ ወይ ሕማቕ ዘረባ ኸም ዚሳተፍ ገይርዎዶ፧

 ክትገብሮ እትኽእል፦ ውሉድካ ኣብ ኢንተርነት እውን እንተ ዀነ፡ ብስነ ስርዓት ኪመላለስ ከም ዘለዎ ኣረድኣዮ። ዲጂታል ኪድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሕሰም ኣብ ኢንተርነት ኰነ ብኣካል፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ቅቡል ዘይምዃኑ፡ ወለዲ ብንጹር ኪምህሩ ይግባእ” ትብል።

 ማሕበራዊ መራኸቢ ግድን ዜድሊ ኣይኰነን፣ ገሊኦም ወለዲ እውን ማሕበራዊ መራኸቢ ንደቆም ኣይፈቕዱሎምን እዮም። ንውሉድካ ማሕበራዊ መራኸቢ እንተ ፈቒድካሉ፡ ናይ ግዜ ደረት ከም ዚገብረሉን ጥዑይ ዕርክነት ከም ዚህልዎን ካብ ዘይግቡእ ነገራት ከም ዚርሕቕን ኣረጋግጽ።