ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—1ይ ክፋል፦ ንውሉደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽፈቕደሉዶ፧

ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—1ይ ክፋል፦ ንውሉደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽፈቕደሉዶ፧

 ሓደ መጽናዕቲ፡ 97 ሚእታዊት ካብ መንእሰያት ማሕበራዊ መራኸቢ ኸም ዚጥቀሙ ይሕብር። እሞኸ ውሉድካ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ይደሊዶ፧ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዚግባእ ሒደት ነጥብታት ንርአ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ኣጠቓቕማ ግዜ ውሉድካ

 HelpGuide ዚብሃል ወብሳይት፡ “ማሕበራዊ መራኸቢ ንቘላሕታኻ ኺሰርቀካ፡ ኣብ ኦንላይን ኣሲሩ ኺሕዘካ፡ ብተደጋጋሚ እውን ስክሪንካ ኸም እትርኢ ንምግባር እዩ ተዳልዩ” ይብል።

 “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንእተለጠፈ ነገራት ንደቓይቕ ጥራይ ክርኢ ኢለ ሓሲበ ድሕሪ ምጅማር፡ ከይተፈለጠኒ ሰዓታት እዩ ዚሓልፍ። ንተሌፎንካ ኣቐሚጥካ ሓደ ቝም ነገር ምግባር ኣዝዩ እዩ ዚኸብደካ።”—ሊን፡ 20።

 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ውሉደይ በቲ ንማሕበራዊ መራኸቢ ዝገበርኩሉ ቐይድታት ኪመላለስ ዜኽእሎ ርእሰ ግትኣት ኣለዎዶ፧ ውሉደይ ባዕሉ ቐይድታት ኬውጽእን ብእኡ ኪቕየድን ዜኽእል ብስለት ኣለዎዶ፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:15, 16

ንውሉድካ መምርሒ ኸይሃብካ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ምሕዳግ፡ ብዘይ ግቡእ ስልጠና ፈረስ ኪውጣሕ ከም ምሕዳግ እዩ

 ውሉድካ ብዛዕባ ዕርክነት ዘለዎ ኣረኣእያ

 እቲ “ማሕበራዊ መራኸቢ” ዚብል መጸውዒ፡ ተጠቀምቱ ኣዕሩኽ ከም ዘለውዎም ወይ ምስ ዚፈልጥዎም ሰባት ከም ዚራኸቡ እዩ ዜምስል። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ እቲ ኣብኡ ዚምስረት ርክብ ዕምቈት የብሉን።

 “ብዙሓት መንእሰያት ብዙሕ ላይክ ወይ ፈሎወር እንተ ረኺቦም፡ ነቶም ሰባት እኳ እንተ ዘይፈለጥዎም፡ ብዙሓት ከም ዚሓልዩሎም ይመስሎም እዩ።”—ፓትሪሽያ፡ 17።

 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ውሉደይ ኣብ ኢንተርነት ህቡብ ምዃን ዋጋ ኸም ዘይብሉ ንምፍላጥ ዜኽእሎ ብስለት ኣለዎዶ፧ ክሳዕ ክንደይ እዩ ብኣካል ዕርክነት ኬማዕብል ዚኽእል፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

 ስምዒታዊ ጥዕና ውሉድካ

 ሓደ ሰብ ማሕበራዊ መራኸቢ እምብዛ ዚጥቀም እንተ ዀይኑ፡ ብጽምዋ ኺብላዕን ጭንቀት ኬሕድርን ከም ዚኽእል ተመራመርቲ ይሕብሩ እዮም።

 “መሓዙትካ ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ምስ ካልኦት መሓዙትካ ግዜ እናኣሕለፉ ዜርኢ ስእልታት እንተ ርኢኻ፡ ሕማቕ እዩ ዚስምዓካ።”—ሰሪና፡ 19።

 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ውሉደይ በቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚርእዮ ነገራት ኣብ ርእሱ ጥራይ ካብ ምትኳር፡ ምስ ካልኦት ካብ ምውድዳር፡ ወይ እምብዛ ዚጽሎ ኻብ ምዃን ኪሕልዎ ዚኽእል ብስለት ኣለዎዶ፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ ኣይንድለ።”—ገላትያ 5:26

 ውሉድካ ኣብ ኦንላይን ዘለዎ ጠባይ

 ማሕበራዊ መራኸቢ ብኦንላይን ንዚግበር ድንደናን ንጾታዊ መልእኽትታትን ንስእለ ጽዩፍን መገዲ ይኸፍት እዩ። ውሉድካ ነዚ ነገራት እዚ ዘየበግሶ እኳ እንተ ዀነ፡ ኪቃላዕ ግና ይኽእል እዩ።

 “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚልጠፍ ነገራት ብቐሊሉ እዩ ኣንፈቱ ቐዪሩ ዚበላሾ። ኣብኡ ብዙሕ ሕማቕ ቋንቋን ዘይግቡእ ሙዚቃን ኣሎ።”—ሊንዳ፡ 23።

 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ውሉደይ ኣብ ኦንላይን ብስነ ስርዓት ንምምላስ ዜኽእል ብስለት ኣለዎዶ፧ ውሉደይ ካብ ሕማቕ ነገራት ንምርሓቕ ዜኽእሎ ስነ ምግባራዊ ብርታዐ ኣለዎዶ፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ . . . ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ፣ . . . ዜሕፍር ተግባር ኰነ፡ ዘረባ ዕሽነት ኰነ፡ ወይስ ጽዩፍ ዋዛ፡ . . . ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።”—ኤፌሶን 5:3, 4

 ማሕበራዊ መራኸቢ ብሓቂዶ የድሊ እዩ፧

 ማሕበራዊ መራኸቢ ብህይወት ንምንባር ኰነ ኣብ ህይወት ሓጐስ ንምርካብ ናይ ግድን ዜድሊ ኣይኰነን። ብዙሓት መንእሰያት ብዘይ ማሕበራዊ መራኸቢ ተሓጒሶም ይነብሩ እዮም፣ ዋላ እውን ኣቐዲሞም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መንእሰያት ምስ ሓደግዎ፡ ሓጐሶም ኣየጥፍኡን።

 “ሓብተይ ብመራኸቢ ብዙሓን ክሳዕ ክንደይ ብኣሉታዊ ኸም እተጸልወት ምስ ረኣኹ፡ ክሓድጎ ወሲነ። ካብ ሽዑ ነንጀው፡ ዝያዳ ሓጐስ ረኺበ፡ ንህይወተይ እውን ኣብ ጽቡቕ መዓላ አውዕላ ኣለኹ።”—ኔተን፡ 17።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንውሉድካ ማሕበራዊ መራኸቢ ቕድሚ ምፍቃድካ፡ ናይ ግዜ ቐይድታት ንምሕላው፡ ጥዑይ ዕርክነት ንምዕቃብ፡ ካብ ሕማቕ ነገራት እውን ንምርሓቕ ዜኽእል ብስለት ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጐራሕ . . . ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15