ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ንውሉዳት ብዛዕባ ጾታ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ዘለዎም መን እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ናይ ወለዲ ኸም ዝዀነ ይሕብር እዩ። ብዙሓት ወለዲ ኸኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም፦

  •   ኣይትሕፈር። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጾታዊ ኣካላትን ብግልጺ ይዛረብ እዩ። ኣምላኽ ድማ ንህዝቢ እስራኤል፡ እንተላይ ን“ሕጻናት” ብዛዕባ እዚ ኺምሃሩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም እዩ። (ዘዳግም 31:12፣ ዘሌዋውያን 15:2, 16-19) ነዚ ንምግባር ድማ፡ ንጾታዊ ርክብ ወይ ንጾታዊ ኣካላት ከም ዜሕፍር ገይሩ ብዘይገልጽ ምዕሩግ ቃላት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

  •   በብደረጃ ምሃር። ውሉድካ ኽሳዕ ዚጕብዝ ተጸቢኻ ብዛዕባ ጾታ ሓንሳእ ኣስፊሕካ ኣብ ክንዲ እትዛረቦ፡ ዕድሚኡ ኣብ ግምት ብምእታው ኪርድኦ ብዚኽእል መገዲ በብደረጃ ምሃሮ።—1 ቈረንቶስ 13:11

  •   ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምሃሮም። ኣብያተ ትምህርቲ ንቘልዑ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብእተወሰነ ይምህራ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንወለዲ፡ ደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ግቡእ ኣረኣእያን ኣካይዳን ምእንቲ ኺህልዎም እውን ኪምህርዎም የተባብዖም እዩ።—ምሳሌ 5:1-23

  •   ንውሉድካ ስምዓዮ። ውሉድካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንተ ሓቲቱካ፡ በዚ ኣይትሰምብድ ወይ ኣብ ሕማቕ መደምደምታ ኣይትብጻሕ። ኣብ ክንድኡስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን።—ያእቆብ 1:19

ንውሉድካ ብኸመይ ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ትከላኸለሉ፧

ንውሉድካ ብጾታዊ ዜሸግር ሰብ እንተ ኣጓኒፍዎ፡ ኪቃወሞ ኸም ዘለዎ ምሃሮ

  •   ገዛእ ርእስኻ ምሃር። ሃሰይቲ ዚጥቀሙሉ ሜላታት ፍለጥ።—ምሳሌ 18:15፣ ኣብ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ምዕራፍ 32 ርአ።

  •   ኣብ ህይወት ውሉድካ ተሳተፍ። ንውሉድካ ምስ እሙን ሰብ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ኣይትሕደጎ፣ ንውሉድካ ድማ ከም ድላዩ ኪኸይድ ‘ኣይትሕደጎ።’—ምሳሌ 29:15

  •   ብዛዕባ ተኣዛዝነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሃር። ውሉዳት ንወለዶም ምኽባር ኪምሃሩ ኣለዎም። (ቈሎሴ 3:20) ይኹን እምበር፡ ውሉድካ ንዝዀነ ዓብዪ ሰብ ወትሩ ኺእዘዝ እንተ ምሂርካዮ፡ ንጾታዊ ህስያ ኸተቃልዖ ትኽእል ኢኻ። ክርስትያን ወለዲ ንውሉዶም፡ “ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ነገር ክትገብር እንተ ሓቲቱካ፡ ከምኡ ኸይትገብር” ኪብልዎም ይኽእሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

  •   ገዛእ ርእሶም ዚከላኸሉሉ ልምምዳት ግበሩ። ንስኻ ኣብ ዘየለኻሉ እዋን ሓደ ሰብ ንውሉድካ ኺተናኽፎ ምስ ዚጅምር፡ ውሉድካ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምሃሮ። ብዛዕባ እዚ ሕጽር ዝበለ ልምምድ እንተ ጌርኩም፡ ውሉድካ፡ “ሕደግ! ክነግረልካ እየ” ኢሉ ኻብቲ ቦታ ኺርሕቕ ርእሰ ምትእምማን የጥሪ እዩ። ቈልዑ ኺርስዑ ስለ ዚኽእሉ፡ ደጋጊምካ ኸተዘኻኽሮም ትኽእል ኢኻ።—ዘዳግም 6:7