ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ‘ፍቓድ ኣምላኽ ሰባት ካብ ምንዝርና ኺርሕቁ’ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:3) መጽሓፍ ቅዱስ “ምንዝርና” ኺብል ከሎ፡ ንዝሙትን ንግብረ ሰዶምን ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብን የመልክት።

 ተጻመድቲ ምምርዓዎም ወይ ዘይምምርዓዎም ንኣምላኽ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧

  •   መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እዩ። ነቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ጸመዶም ከኣ እዩ ንመውስቦ ኣቚምዎ። (ዘፍጥረት 2:22-24) ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ቃል ኪዳን ብሓባር ኪነብሩ ኣይሓለነን።

  •   ኣምላኽ ንሰባት ዚሓይሽ ይፈልጥ እዩ። ንመውስቦ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚህሉ ነባሪ ጥምረት ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ መስሪትዎ። እዚ ድማ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ዚጠቅምን ዜዕቍብን እዩ። ቀሊል ኣብነት እስከ ንርአ። ከምቲ ንሓደ ኣቕሓ ኽትገጣጥሞ ኸለኻ ናይ ሰራሒኡ መምርሒ እትኽተል፡ ዕዉት ስድራ ቤት ንምህናጽ እውን ናይ ኣምላኽ መምርሒ የድልየና እዩ። ስርዓታት ኣምላኽ ነቶም ዚስዕብዎ ዅሉ ግዜ ይጠቕሞም እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

    ሓደ ኣቕሓ ንምግጥጣም፡ ናይ ሰራሒኡ መምርሒ የድልየካ እዩ። ዕዉት ስድራ ቤት ንምህናጽ እውን ናይ ኣምላኽ መምርሒ የድልየና እዩ

  •   ካብ መርዓ ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ስምዒታዊ ነውጽን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። a

  •   ኣምላኽ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብጾታዊ ርክብ ኣቢሎም ምእንቲ ኺፋረዩ፡ ናይ ምውላድ ክእለት ሂብዎም እዩ። ኣምላኽ ንህይወት ከም ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ናይ ምውላድ ክእለት ከኣ ክቡር ውህበት እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንመውስቦ ኣኽቢርና ብምሓዝ፡ ነዚ ውህበት እዚ ኽብ ኣቢልና ኽንርእዮ ይደልየና እዩ።—እብራውያን 13:4

 ዚሳነዩ ምዃኖም ንምፍታን ቅድሚ መርዓ ብሓባር ምንባርከ፧

 ንፈተነ ኢልካ ብዘይ ቃል ኪዳን ብሓባር ምንባር፡ ንመውስቦ ዕዉት ኣይገብሮን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክልቲኦም ተጻመድቲ ንቓል ኪዳኖም ጽኑዓት፡ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ ውፉያት እንተ ዀይኖም እዩ ርክቦም ዚድልድል። b መውስቦ ንቓል ኪዳን ጽኑዕ ይገብሮ እዩ።—ማቴዎስ 19:6

 ተጻመድቲ ድልዱል ሓዳር ኪሃንጹ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

 ፍጹም ዚብሃል ሓዳር የለን። እንተዀነ ግና፡ ተጻመድቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ድልዱል ሓዳር ኪሃንጹ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦