ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ዕርክነት፡ ሕጉስን ዕዉትን ህይወት ኪህልወካ ኣስተዋጽኦ ኺገብር ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድሩን ኪበራትዑን ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 27:17

 ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ከም ዘሎና የጕልሕ እዩ። ሕማቕ ዕርክነት ብዛዕባ ኼስዕቦ ዚኽእል ጕድኣት እውን የጠንቅቐና እዩ። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ከምዚኦም ዓይነት ኣዕሩኽ ንሓደ ሰብ ሕማቕ ውሳነ ኺገብር ኪጸልውዎ ይኽእሉ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ዝነበሮ ሰናይ ባህርያት ከም ዜጥፍእ ኪገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ዓርኪ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ድሌታት ምህላው ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ርክብ እተመርኰሰ ኸም ዝዀነ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 119:63፡ “ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻን a እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” ትብል። እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ንሱ ዝመረጾም ኣዕሩኽ ንኣምላኽ ከየጕህይዎ ዚፈርሁን ብስርዓታት ኣምላኽ ዚመላለሱን ከም ዝነበሩ ኣስተብህል።

 ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ እንታይ ባህርያት ኪህልዎም ከም ዚግባእ የጕልሕ እዩ። ንኣብነት፦

  •   “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

  •   “ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳሌ 18:24

 እዚ ጥቕስታት እዚ፡ ጥዑይ ዓርኪ እሙንን ፈቃርን ለዋህን ለጋስን ምዃኑ እዩ ዚምህረና። ናይ ሓቂ ዓርኪ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኪሕግዘና ምዃኑ እንተኣማመነሉ ሰብ እዩ። ናይ ሓቂ ዓርኪ ናብ ግጉይ መገዲ ኽንከይድ ከለና ወይ እውን ሕማቕ ውሳነ ኽንገብር ክንድረኽ ከለና ብትብዓት ዚመኽረና ሰብ እዩ።—ምሳሌ 27:6, 9

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት ጽቡቕ ዕርክነት ኣሎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ባህልን ስልጣንን ብዛዕባ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ዚገልጽ ኣብነታት ጽቡቕ ዕርክነት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኣብነት ዕርክነት ንርአ።

  •   ሩትን ናእሚን። ሩት ንናእሚ ሰበይቲ ወዳ እያ ነይራ፣ ኣብ መንጎአን ከኣ ዓብዪ ናይ ዕድመ ፍልልይ ነይሩ እዩ። ናይ ባህሊ ፍልልይ እውን ነይርወን እዩ። ፍልልያተን ብዘየገድስ ግና፡ ጥቡቕ ምሕዝነት ኪምስርታ ኽኢለን እየን።—ሩት 1:16

  •   ዳዊትን ዮናታንን። ሽሕ እኳ ዮናታን ካብ ዳዊት ብ30 ዓመት ዚዓቢ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዳዊትን ዮናታንን “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ” ከም ዝነበሩ ይዛረብ እዩ።—1 ሳሙኤል 18:1

  •   የሱስን ሃዋርያቱን። የሱስ ንሃዋርያቱ መምህሮምን ጐይታኦምን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ነይርዎ እዩ። (ዮሃንስ 13:13) ይኹን እምበር፡ ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱ ኸም ዘይበቕዑ ገይሩ ኣይረኣዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ንትምህርትታቱ ዚስዕቡ ዝጠበቐ ዕርክነት ነይርዎ እዩ። “ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም።—ዮሃንስ 15:14, 15

 ሓደ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእልዶ፧

 እወ፡ ደቂ ሰብ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 3:32) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣምላኽ ምስቶም ልዙባትን ቅኑዓትን ኣኽብሮት ዘለዎምን ብስርዓታቱ ኺነብሩ ኣበርቲዖም ዚጽዕሩን ሰባት እዩ ዚተዓራረኽ። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም፡ ዓርኪ ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ተጠቒሱ ኣሎ።—2 ዜና መዋእል 20:7፣ ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23

a ኣብዛ መዝሙር፡ “ዚፈርሁኻ” ተባሂሉ ዘሎ ንኣምላኽ እዩ ዜመልክት።