ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ዀነ ኢልካ ንዚግበር ምስዳድ ጥንሲ እተመልክት “ምንጻል ጥንሲ” ኣይጥቀመላን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንህይወት ሰብ፡ እንተላይ ንህይወት ዘይተወልደ ሕጻን ብኸመይ ከም ዚርእዮ ይገልጽ እዩ።

 ህይወት፡ ውህበት ኣምላኽ እያ። (ዘፍጥረት 9:6፣ መዝሙር 36:9) ኵሉ ህይወት፡ እንተላይ ህይወት ኣብ ማሕጸን ዘሎ ሕጻን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ዘይተወልደ ሕጻን እንተ ነጺሉ፡ እዚ ምስ ቅትለት እዩ ዚቝጸር።

 ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ከምዚ ዚብል ነይርዎ፦ “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸኣ እንተ ጐዲኦም፡ ንሳ ድማ ቅድሚ እዋና እንተ ወሊዳ፡ ካልእ ጕድኣት ግና እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ በዳሊ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝመደበሉ ኻሕሳ ይኽሓስ፣ ብፈራዶ ኣቢሉ እውን ይኽፈል። ጕድኣት እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት ሃብ።”—ዘጸኣት 21:22, 23 a

 ህይወት መዓስ እያ እትጅምር፧

 ኣምላኽ ንሓደ ሕጻን ካብ ዚጥነስ ኣትሒዙ ኸም ህያው ሰብ እዩ ዚርእዮ። ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሓደ ዘይተወልደ ሕጻን ከም ሓደ ውልቀ ሰብ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ ንህይወት ኣብ ማሕጸን ዘሎ ሕጻን ምስ ህይወት እተወልደ ሕጻን ማዕረ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዚሕብር ኣብነታት እስከ ርአ።

  •   ንጉስ ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንኣምላኽ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ” ኢልዎ እዩ። (መዝሙር 139:16) ኣምላኽ ንዳዊት፡ ገና ኸይተወልደ ኸሎ ኣትሒዙ ኸም ሰብ ይርእዮ ነይሩ እዩ።

  •   ብዘይካዚ፡ ኤርምያስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ፍሉይ መዝነት ከም ዚህቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ፡ “ኣብ ከርሲ ኸይደኰንኩኻ ፈሊጠካ፣ ከይተወለድካ ድማ ቀዲሰካ። ንኣህዛብ ከኣ ነብዪ ገይረካ” ኢልዎ እዩ።—ኤርምያስ 1:5

  •   እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ሓኪምን ዝነበረ ሉቃስ፡ ንሓደ ዘይተወልደ ሕጻንን ንሓደ ሓድሽ እተወልደ ሕጻንን ንምግላጽ ሕደ ናይ ግሪኽኛ ቓል ተጠቒሙ እዩ።—ሉቃስ 1:41፣ 2:12, 16

 ኣምላኽ ንሓደ ጥንሲ ዝነጸለ ሰብ ይቕረ ይብለሉ ድዩ፧

 ጥንሲ ዝነጸለ ሰብ፡ ምሕረት ኣምላኽ ኪረክብ ይኽእል እዩ። ሕጂ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ዚቕበሎ እንተ ዀይኑ፡ ብናይ ገበን ስምዒት ኪውሓጥ ኣየድልዮን እዩ። “የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን . . . እዩ። . . . ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።” b (መዝሙር 103:8-12) የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዝፈጸምዎ ሓጢኣት፡ እንተላይ ምንጻል ጥንሲ፡ ካብ ልቦም ዚንስሑ ሰባት ይቕረ ይብለሎም እዩ።—መዝሙር 86:5

 ህይወት እታ ኣደ ወይ ህይወት እቲ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ጥንሲ ምንጻል ጌጋ ድዩ፧

 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወት ሓደ ዘይተወልደ ሕጻን ዚብሎ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ነታ ኣደ ወይ ነቲ ሕጻን ጸገም ጥዕና ኼጋጥሞም ይኽእል ካብ ዚብል እምነት ተላዒልካ ዚፍጸም ምንጻል ጥንሲ ብቑዕ ምኽንያት ኣይኰነን።

 ኣብ እዋን ሕርሲ ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ካብ ህይወት እታ ኣደን ካብ ህይወት እቲ ሕጻንን ነየናይ ከተድሕን ከም ዘሎካ ኽትውስን ምስ ዜድልየካኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ እቶም ዚምልከቶም ሰባት ነየናይ ህይወት ኬድሕኑ ኺጽዕሩ ኸም ዘለዎም ብሕታዊ ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም።

a ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ንድቂ ዜጋጥሞ ዘይኰነስ፡ ንኣደ ዜጋጥማ ጕድኣት ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ግና ነታ ኣደ ይኹን ነቲ ሕጻን ሞት ንዜስዕብ ሓደጋ እዩ ዜመልክት ነይሩ።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18