ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍታውን ብቕኑዕ ድራኸን ምሃብ የተባብዕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሃብ፡ ነቲ ተቐባሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃቢ እውን ከም ዚጠቅም ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 11:25፣ ሉቃስ 6:38) የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

 ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

 ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን ብፍታው ምስ ዚግበር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ከይፈተወ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ይብል።—2 ቈረንቶስ 9:7፣ እግረ ጽሑፍ።

 ካብ ልቢ ዚግበር ምሃብ፡ ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ “ኣምልኾ” እዩ። (ያእቆብ 1:27) ንእተሸገሩ ብልግሲ ዚሕግዝ ሰብ፡ ምስቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ንዕኡ ኸም እተዋህበ ልቓሕ ገይሩ ዚርኢ ኣምላኽ ሓቢሩ እዩ ዚዓዪ። (ምሳሌ 19:17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቲ ወሃቢ ኸም ዚፈድዮ ይምህር እዩ።—ሉቃስ 14:12-14

 ምሃብ ዘይግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

 ብእተሓብአ ኽፉእ ድራኸ ምስ ዚግበር። ንኣብነት፦

 ኣምላኽ ንዚዅንኖ ንጥፈታት ወይ ኣረኣእያ ዚድግፍ ምስ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ኪጣላዕ ኢልካ፡ ወይ ድማ ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኺወስድ ኢልካ ገንዘብ ምሃብ ጌጋ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ብተመሳሳሊ፡ ንሓደ ንርእሱ ብቝጠባዊ መገዲ ኺድግፍ እናኸኣለ ኽነሱ፡ ከምኡ ኺገብር ዘይደሊ ሰብ ምሃብ ግቡእ ኣይኰነን።—2 ተሰሎንቄ 3:10

 ኣምላኽ ንዝሃበካ ሓላፍነት ከም ዘይትፍጽም ዚገብረካ ምስ ዚኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ዜድሊ ዘበለ ኼማልኡ ኸም ዘለዎም ይምህር እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ እናተሸገሩ ኸለዉ ንኻልኦት ብዙሕ ኪህብ ግቡእ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ነቶም ንዅሉ ጥሪቶም “መባእ ገይረዮ እየ” ኢሎም ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ምእላይ ዝኣበዩ ሰባት ኰኒንዎም እዩ።—ማርቆስ 7:9-13