ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገዲ ሓጐስ

ዕግበትን ልግስን

ዕግበትን ልግስን

ሓጐስን ኣሳልጦን ብጥሪትን ብሃብትን ከም ዚልካዕ ክንደይ ሳዕ ሰሚዕካ ኣለኻ፧ በዚ ኣረኣእያ እዚ ተደሪኾም፡ ሚልዮናት ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ንምርካብ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ይደኽሙ እዮም። ግናኸ፡ ገንዘብን ጥሪትን ነባሪ ሓጐስ የምጽእ ድዩ፧ መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧

ብመሰረት ጆርናል ኦቭ ሃፒነስ ስታዲስ፡ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ምስ ተማልኣልና እንረኽቦ ተወሳኺ ኣታዊ፡ ንሓጐስና ብዙሕ ኣይውስኸሉን እዩ። እቲ ጸገም ዚፈጥር፡ ገንዘብ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ መጽሔት ሞኒተር ኦን ሳይኮሎጂ ዝወጸት ዓንቀጽ ከም እትገልጾ፡ ‘ገንዘብ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ እዩ ጓሂ ዜምጽእ።’ እዚ ቓላት እዚ፡ ምስቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ . . . ንርእሶም . . . ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም” ዚብል ምዕዶ ይመሳሰል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) እዚ ስቓይ እዚ እንታይ የጠቓልል፧

ሃብትኻ ኸይትስእን እትገብሮ ጻዕሪ ዜስዕቦ ጭንቀትን ስእነት ድቃስን። “ኣገልጋልስ እቲ ዚበልዖ ሒደት ወይ ብዙሕ ይኹን ብዘየገድስ፡ ድቃሱ ጥዑም እዩ፣ ንሃብታም ግና እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ።”—መክብብ 5:12

እተጸበኻዮ ሓጐስ ከይረኸብካ ምስ ተረፍካ ዚፍጠር ጓሂ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ጓሂ እዚ ጠንቂ ዚኸውን ረቛሒ፡ ገንዘብ ስለ ዘይጽገብ እዩ። “ፈታው ብሩርሲ ብብሩር፡ ፈታው ሃብቲ ድማ ብኣታዊ ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።” (መክብብ 5:10) ብተወሳኺ እውን፡ ሓደ ሰብ ህርፋን ሃብቲ እንተ ኣልይዎ፡ ነቲ ሓጐስ ኬምጽኣሉ ዚኽእል ንስድራ ቤቱን ንኣዕሩኹን ንመንፈሳዊ ነገራትን ዝመደቦ ግዜ ይጐስዮ እዩ።

ገንዘብ ዋጋኡ ምስ ሰኣነ ወይ ወፍሪ ምስ ፈሸለ ዚስዕብ ሓዘንን ብስጭትን። “ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትድከም። ደው በል እሞ ኣእምሮ ግበር። ብርግጽ ከም ንስሪ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ናብ ሰማይ ኪነፍር እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻ ምስ ኣውደቕካሉ፡ ኣብኡ ኣይህሉን።”—ምሳሌ 23:4, 5

ሓጐስ ዜምጽእ ባህርያት

ዕግበት። “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና። ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።” (1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8) ዕጉባት ሰባት ኣየማርሩን፡ ኣየዕዘምዝሙን፡ ወይ ብኻልኦት ኣይቀንኡን እዮም። ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ነገራት ስለ ዘይምነዩ ኸኣ፡ ካብ ዘየድሊ ጭንቀትን ውጥረትን ይናገፉ እዮም።

ልግሲ። “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ለጋሳት ሰባት፡ ዋላ እኳ እቲ ኺህብዎ ዚኽእሉ ግዜን ጕልበትን ብዙሕ እንተ ዘይኰነ፡ ንኻልኦት ሰባት ስለ ዜሐጕሱ፡ ሕጉሳት እዮም። ከም ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝኣመሰለ ብገንዘብ ኪዕደግ ዘይከኣል ነገራት ብብዝሒ ይረኽቡ እዮም፣ ውሬታ ዚመልሱ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እውን የጥርዩ እዮም።—ሉቃስ 6:38

ንሰባት ቅድሚ ስጋዊ ነገራት ምስራዕ። “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልእስ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።” (ምሳሌ 15:17) እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ነጥቢ እያ እተመሓላልፍ፧ ምስ ሰብ ዘሎና ፍቕሪ፡ ካብ ሃብቲ ዚዛይድ ዋጋ ኣለዎ። ጸኒሕና ኸም እንርእዮ ኸኣ፡ ሓጐስ ንምርካብ፡ ፍቕሪ ኣገዳሲ እጃም ኣለዋ።

ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ሳቢና ዝስማ ሰበይቲ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣገዳስነት ተማሂራ እያ። ሰብኣያ ጠንጢንዋ ምስ ከደ፡ ንዓኣን ንኽልተ ኣዋልዳን ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ምምእራር ቃልሲ እዩ ዀይንዋ ነይሩ። ክልተ ስራሕ ትሰርሕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ገና ኸይወግሐ ሰዓት ኣርባዕተ ትትንስእ ነይራ። እዚ ጽንኩር እኳ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ግና ወሲና። እሞኸ እንታይ ፍረ ረኺባ፧

ልክዕ እዩ፡ ቍጠባዊ ዅነታታ ብዙሕ ኣይተመሓየሸን። ብዛዕባ ህይወት ዝነበራ ኣመለኻኽታ ግና ብዙሕ ተመሓይሹ። ንኣብነት፡ መንፈሳዊ ህርፋና ብምርዋያ፡ ሓጐስ ክትረክብ ክኢላ። (ማቴዎስ 5:3) ካብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ እውን፡ ናይ ሓቂ መሓዙት ክትረክብ ክኢላ። ነቲ እተማህረቶ ንኻልኦት ብምክፋላ ድማ፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ረኺባ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ብፍሪኣ እዩ ቕንዕቲ ምዃና ዚረጋገጽ” ይብል እዩ። (ማቴዎስ 11:19፣ እ.ጽ.) ከምዚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝገለጸቶ፡ ዕግበትን ልግስን ንሰባት ቅድሚ ስጋዊ ነገራት ምስራዕን ቅኑዕ ምዃኑ ኣጸቢቑ ተረጋጊጹ እዩ!