2 ቈረንቶስ 9:1-15

  • ኪልግሱ እተዋህበ መተባብዒ (1-15)

    • ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ ይፈቱ (7)

9  ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት፡+ ክጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ፣  ከመይሲ፡ እቲ ኣካይያ ኻብ ዓሚ ኣትሒዛ ኸም እተዳለወት ንመቄዶናውያን እተመካሕኩሉ ፍቓደኛነትኩምን እቲ ንመብዛሕትኦም ዘለዓዓለ ቕንኣትኩምን እፈልጥ እየ።  ኰይኑ ግና፡ እቲ እተመካሕናዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ምእንቲ ኽትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት እሰድዶም ኣለኹ።  እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጺኦም እሞ ኸይተዳሎኹም እንተ ረኺቦምኹም፡ ንሕና ዀንና ንስኻትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዘሎና እምንቶ ኽንሓፍር ኢና።  እምበኣር፡ ነቶም ኣሕዋት ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ምእንቲ ኺመጹ ኸተባብዖምን እቲ ኸተበርክትዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ ተዳልዩ ኺጸንሕን ዜድሊ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እዚ ኸም ብግዲ እተዋህበ ዘይኰነስ፡ ከም እተበርከተ ህያብ ኰይኑ ኺዳሎ ይኽእል።  ብዛዕባ እዚ ግና፡ እቲ ቘጢቡ ዚዘርእ፡ ቈጢቡ ይዓጽድ፣ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ከኣ፡ ብበረኸት ይዓጽድ።+  ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ* ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡+ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።  ብዘይካዚ፡ ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ምሉእ ዘይጕዱል ኣልዩኩም፡ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ዕዙዛት ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣምላኽ ጸጋኡ ኼብዝሓልኩም ይኽእል እዩ።+  (ከምቲ፡ “ብሰፊሑ* ዓዲሉ፣ ንድኻታት ሂቡ። ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ 10  እቲ ንዘራኢ ዘርእን ንምግቢ ዚኸውን እንጌራን ኣብዚሑ ዚህብ፡ ንሱ ዘርኢ ኺህበኩምን ኬበርክተልኩምን ፍረ ጽድቅኹም ኬብዝሖን እዩ።) 11  ብዅሉ በቲ ብኣና ኣቢሉ ንኣምላኽ ምስጋና ዜምጽእ ኵሉ ልግሲ ትህብትሙ ኣለኹም፣ 12  ምኽንያቱ፡ እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዚ ዚግበር፡ ነቶም ቅዱሳት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ+ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዚቐርብ ብዙሕ ምስጋና ምእንቲ ኺዓዝዝ እውን እዩ። 13  ነቲ ብስራት ክርስቶስ ክትሰብኩ ኸለኹም ተገዛእቲ ስለ ዝዀንኩምን ንዓታቶምን ንዅሉን ብልግሲ ስለ እተዋጽኡን፡ እዚ ኣገልግሎት ረድኤት እዚ ብዜቕርቦ መርትዖ፡ ንኣምላኽ የሞግስዎ እዮም።+ 14  ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኹም ብምምህላል ከኣ፡ ኪላለዩኹም ሃረር ከም ዚብሉ የርእዩ ኣለዉ። 15  ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ናጻ ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይፈተወ።”
ወይ፡ “ብልግሲ።”