ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” እንታይ እዩ፧

“መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት፡” ሰባት ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትዉሉ’ መገዲ ንናይ ምኽፋት ስልጣን የመልክት። (ማቴዎስ 16:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:22) a የሱስ ንጴጥሮስ፡ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” ሂብዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ እምነት ዘርኣዩ ሰባት መንፈስ ኣምላኽ ብምቕባል ናብ መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ፍሉይ መሰል ብኸመይ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ስልጣን ከም እተዋህቦ ዜርኢ እዩ።

እተን መፋትሕ ኣብ መን እየን ዓይየን፧

 ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተቐበሎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንሰለስተ ጕጅለ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ መገዲ ኸፈተሎም፦

  1.   ኣይሁድን እምነቶም ናብ ኣይሁድነት ዝቐየሩን። ጴጥሮስ ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንየሱስ ብኣምላኽ ከም እተሸመ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሮም ኪቕበልዎ ኣተባብዖም። ንኺድሕኑ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም እውን ገለጸሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ መገዲ ኸፈተሎም፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኸኣ ነቲ ‘ቓሉ ተቐበልዎ።’—ግብሪ ሃዋርያት 2:38-41

  2.   ሳምራውያን። ድሕሪ ግዜ፡ ጴጥሮስ ናብ ሳምራውያን ተላእከ። b ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ ኰይኑ፡ ሳምራውያን ‘መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ብምጽላይ’ ድማ ካልእ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ተጠቕመ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:14-17) እዚ ኸኣ ንሳምራውያን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ መገዲ ኸፈተሎም።

  3.   ኣህዛብ። ድሕሪ ሞት የሱስ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንጴጥሮስ፡ ኣህዛብ (ኣይሁድ ዘይኰኑ) እውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ኣጋጣሚ ኸም ዚኽፈተሎም ገለጸሉ። ከም ውጽኢቱ፡ ጴጥሮስ ንኣህዛብ ብምስባኽ ንሓንቲ ኻብተን መፋትሕ ተጠቕመለን፣ በዚ ኸምዚ ንኣህዛብ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪቕበሉ፡ ክርስትያናት ኪዀኑ፡ ኣባላት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኪዀኑ መገዲ ኸፈተሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:30-35, 44, 45

‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 እቶም ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትዉ፡’ ንየሱስ ኣብ ሰማይ መጋዝእቱ እዮም ዚዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣብ ዝፋናት ኪቕመጡን’ ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግሱን’ ምዃኖም ተነብዩ እዩ።—ሉቃስ 22:29, 30፣ ራእይ 5:9, 10

ብዛዕባ መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ ናብ ሰማይ ዚኣቱ መን ምዃኑ ዚውስን ጴጥሮስ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንህያዋንን ንምዉታትን ዚፈርድ፡’ ጴጥሮስ ዘይኰነስ፡ ክርስቶስ የሱስ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (2 ጢሞቴዎስ 4:1, 8፣ ዮሃንስ 5:22) ጴጥሮስ ባዕሉ እውን የሱስ፡ “ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዝወሰነ” ተዛሪቡ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 42

 ግጉይ ርድኢት፦ ጴጥሮስ ነተን መፋትሕ መንግስተ ሰማያት መዓስ ከም ዚጥቀመለን ኻብ ሰማይ መምርሒ ኸይተጸበየ ባዕሉ ወሲኑ እዩ።

 ሓቂ፦ የሱስ ብዛዕባ መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ኪዛረብ ከሎ ንጴጥሮስ፡ “ኣብ ምድሪ ዝአሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ” በሎ። (ማቴዎስ 16:19ትርጉም 1956) ገሊኦም ነዚ ሓሳባት እዚ፡ ጴጥሮስ ውሳነታት ገይሩ ብዛዕባኡ ንሰማይ ከም ዝኣዘዘ ዚገልጽ ምዃኑ ገይሮም ዚርድእዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ በዅሪ ግሪኽኛ ዚርከብ ግስታት ግና ውሳነታት ጴጥሮስ ነቲ ድሮ ኣብ ሰማይ እተገብረ ዚስዕብ እምበር፡ ንዕኡ ዚመርሕ ከም ዘይኰነ እዩ ዜርኢ።

 ብዘይካዚ፡ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጴጥሮስ ንመፋትሕ መንግስተ ሰማያት ኪጥቀም ከሎ ኻብ ሰማይ ንዝመጸ ውሳነ ኸም እተኣዘዘ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ነታ ሳልሰይቲ መፍትሕ ኪጥቀመላ ኸሎ፡ ካብ ኣምላኽ ንዝመጾ መምርሒታት ተቐቢሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:19, 20

a ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መፍትሕ” እትብል ቃል ከም ምልክት ስልጣንን ሓላፍነትን ገይሩ ይጥቀመላ እዩ።—ኢሳይያስ 22:20-22፣ ራእይ 3:7, 8

b ሳምራውያን ካብ ኣይሁድነት እተፈልየ ሃይማኖት እዩ ነይርዎም፣ ግናኸ፡ ሃይማኖቶም ንገለ ኻብቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ትምህርትታትን ልምድታትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።