ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

እሩም ጠባይ ስለምንታይ የንቈልቍል ኣሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እሩም ጠባይ ስለምንታይ የንቈልቍል ኣሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 እሩም ጠባይ የንቈልቍል ኣሎ። ስርዓት ዘይብሎም ተሓከምቲ ኣብ ልዕሊ ሓካይም ይጭድሩ፣ ኣኽብሮት ዘይብሎም ዓማዊል ቤት ምግቢ ንኣአንገድቲ የቈናጽብዎም፣ ዘይእሩማት ተጓዓዝቲ ንኣአንገድቲ ነፋሪት ይጸረፍዎም፣ ስድታት ቈልዑ ንመምህራኖም የላግጹሎምን የፈራርህዎምን የጥቅዕዎምን፣ ፖለቲካውያን ብዛዕባ ርእሶም ጽቡቕ ኪዛረቡ ኸለዎ፡ ካልኦት ፖለቲካውያን ድማ ዜዋርድ ተግባራት ረኺቦም ንምቕላዕ ይጽዕሩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ እሩም ጠባይ ዜተኣማምን መምርሒ ይህብ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እሩም ጠባይ ስለምንታይ የንቈልቍል ከም ዘሎ እውን ይገልጽ እዩ።

እሩም ጠባይ ስለምንታይ የንቈልቍል ኣሎ፧

 እሩም ጠባይ፡ ማለት ዕሩይን ስነ ስርዓትን እዱብን ዝኣመሰለ ጠባይ፡ ኣብ መላእ ዓለም የንቈልቍል ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።

  •   ሓደ እሙን መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡ ስነ ምግባር ኣንቈልቊሉ ኣሎ።

  •   ኣብ 28 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ 32,000 ዝዀኑ ሰባት እተሳተፉሉ ኻልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ካባታቶም 65 ሚእታዊት ዝዀኑ፡ ዘይእሩም ጠባይ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኸም ዝበጽሐ ተዛሪቦም።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ባህርያት ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

  •   “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ . . . ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ [ኪዀኑ እዮም]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

 ብዛዕባ ፍጻመ እዚ ትንቢት ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

እሩም ጠባይ ኪህልወካ ዚገብር ዜተኣማምን መምርሒ

 ኣብዛ እሩም ጠባይ ዜንቈልቍለላ ዘላ ዓለም፡ ሚልዮናት ሰባት ጽቡቕ ጠባይ ምእንቲ ኼርእዩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ መምርሒ ረኺቦም እዮም። ምኽሩ “ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን እዩ።” (መዝሙር 111:8) ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12

     ትርጉሙ፦ ከምቲ ሰባት ኪሕዙና እንደሊ፡ ንሕና እውን ንሰባት ብለውሃትን ኣኽብሮትን ክንሕዞም ኣሎና።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምትላል ካብ ኣርሓቕኩም፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”—ኤፌሶን 4:25

     ትርጉሙ፦ ኣብ ኵሉ ዘረባናን ተግባርናን ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና።

 ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣንብብ፦