ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣተሓሕዛ ገንዘብ

ኣተሓሕዛ ገንዘብ

ብዙሓት ሰባት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር፡ ነቲ ምስ ገንዘብ እተተሓሓዘ ጸገማቶም ኪንክይዎ ኽኢሎም እዮም።

ጽቡቕ ውጥን ይሃሉኻ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።”—ምሳሌ 21:5

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ወትሩ ብውጥን እትምራሕ እንተ ዄንካ፡ ኣሳልጦ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ወጻኢታት ቅድሚ ምግባርካ፡ ውጥን ግበር። ዝደለኻዮ ዅሉ ኽትዕድግ ከም ዘይትኽእል መሸም ፍሉጥ እዩ። እምበኣር፡ ገንዘብካ ብጥበብ ተጠቐመሉ።

ክትገብሮ እትኽእል፦

  • ካብ ባጀትካ ወጻኢ ኣይትኺድ። ኵሉ ወጻኢታትካ ጽሓፎ፣ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እውን ጠርንፎ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኽንደይ ገንዘብ ከም እተውጽእ መድብ። ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኻብቲ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ እንተ ኣውጺእካ፡ ካብ ካልእ ኽፍሊ ገንዘብ ወሲድካ ነቲ ወጻኢ ሸፍኖ። ንኣብነት፡ ንነዳዲ ማኪና ኻብቲ ዝወጠንካዮ ንላዕሊ እንተ ኣውጺእካ፡ ዝተሓተ ኣገዳስነት ካብ ዘለዎ ነገር ገንዘብ ውሰድ፣ ንኣብነት፡ ካብቲ ኣብ ቤት ምግቢ ንምብላዕ ኢልካ ዝመደብካዮ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ኣይትእቶ። ብእተኻእለካ መጠን፡ ኣብ ዕዳ ኣይትእቶ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዜድልየካ ነገር ንምዕዳግ፡ ገንዘብ ኣዋህልል። ክረዲት ካርድ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ካብ ወለድ ምእንቲ ኸተምልጥ፡ ኣብ ወወርሒ ምሉእ ዕዳኻ ኽፈል። ዕዳ እንተ ኣልዩካ፡ ዕዳኻ እትኸፍለሉ ውጥን ሓንጽጽ፡ ድሕሪኡ ብመሰረት እቲ ውጥንካ ኽፈል።

    ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሰባት ብክረዲት ካርድ ዚኸፍሉ እንተ ዀይኖም፡ ዝያዳ ወጻኢታት ናይ ምውጻእ ዝንባለ ኣለዎም። ስለዚ፡ ክረዲት ካርድ እንተ ኣልዩካ፡ ተጠንቂቕካ ተጠቐመሉ።

ካብ ጐዳኢ ኣረኣእያ ተጠንቀቕ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፣ ስለዚ፡ ብቐውዒ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ ምስ ኰነ፡ ይልምን።”—ምሳሌ 20:4

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ትህኪት ንድኽነት ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ትጉህ ሰራሕተኛ ኹን፣ ብእተኻእለካ መጠን ድማ፡ ገንዘብካ ኣካውን።

ክትገብሮ እትኽእል፦

  • ትጉህ ኩን። ኣብ ስራሕካ ጻዕረኛን እሙንን ብምዃን፡ ምንጪ ኣታዊኻ ኣውሕስ። ኣስራሕቲ፡ ትግሃት ይፈትዉ እዮም።

  • ቅኑዕ ኩን። ካብ ኣስራሒኻ ኣይትስረቕ። ቅጥፈት ንስምካ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ፣ ደሓር ስራሕ ከም ዘይትረክብ እውን ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

  • ኣይትሰስዕ። ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንጥዕናኻን ምስ ሰብ ንዘሎካ ርክብን ኪጐድኦ ይኽእል እዩ። ገንዘብ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ።

ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ፣ ኣብ jw.org ብኣማእታት ቋንቋታት ይርከብ

ኣብ ሕማቕ ልማዳት ግዜኻን ገንዘብካን ኣይተጥፍእ።

“ሰኽራምን ህሩፍንሲ ይደኽዩ እዮም፣ ትኽስታ ድማ ጨርቀምቀም የብል እዩ።”​—ምሳሌ 23:21

ብዘየድሊ ኣይትጨነቕ።

“ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ።”​—ማቴዎስ 6:25

ኣይትቕናእ።

“ቀናእ ሰብሲ ድኽነት ከም ዚረኽቦ ኸይፈለጠ፡ ኪህብትም ሃንቀው ይብል።”​—ምሳሌ 28:22