ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

DEA/G. Dagli Orti/De Agostini via Getty Images

ሁልድሪክ ዝዊንግሊ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ

ሁልድሪክ ዝዊንግሊ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ

 ሎሚ፡ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሃይማኖተኛታት ሰባት፡ እምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብቐሊሉ ኼረጋግጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መጀመርታ 16 ዘመን ግና፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ነቲ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስትያን ምስቲ ብልክዕ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኼወዳድሩ ዚኽእሉ ሒደት ኣባላት ቤተ ክርስትያን ጥራይ እዮም ነይሮም። ካህናት እውን ብዙሕ ኪሕግዙ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ሂስትሪ ኦፍ ዘ ክርስቲያን ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ቤተ ክርስትያን ስዊዘርላንድን ብልሽውቲ እያ ነይራ፣ እቶም ካህናት ደናቝር፡ ማሪታውያን፡ ስነ ምግባር ዘይብሎም እዮም ነይሮም” ትብል።

 ኣብቲ እዋን እቲ እዩ፡ ሁልድሪክ ዝዊንግሊ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪደሊ ዝጀመረ። እሞ ደኣ እንታይ ረኺቡ፧ ነቲ ዝረኸቦኸ ንኻልኦት ብኸመይ የካፍሎም ነይሩ፧ ካብ ህይወቱን ካብ እምነቱን እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

ዝዊንግሊ ሃሰስ ኪብል ጀመረ

 ዝዊንግሊ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ፡ ካህን ካቶሊክ ኪኸውን ሓለነ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸም ሕጹይ ካህን መጠን፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ፍልስፍና፡ ብዛዕባ ባህሊ ቤተ ክርስትያን፡ ብዛዕባ ጽሑፋት “ኣበው ቤተ ክርስትያን” ኪምሃር የድልዮ ነበረ።

 ዝዊንግሊ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪረኽቦ ጀሚሩ፧ ኣብ ባሰል፡ ስዊዘርላንድ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ በቲ ንስርዓት ስርየት a ቤተ ክርስትያን ዚቃወም ዝነበረ ቶማስ ቪተንባክ ተማሂሩ እዩ። ሓደ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ከም ዝበሎ፡ ‘ዝዊንግሊ፡ ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዝሞተ ኻብ ቪተንባክ እዩ ተማሂሩ።’ (1 ጴጥሮስ 3:18) ዝዊንግሊ ብመሰረት በጃ የሱስ ጥራይ ይቕረታ ኸም ዚርከብ ምስ ተረድኦ፡ ነቲ ‘ሓጢኣትካ ምእንቲ ኺሕደገልካ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ’ ዚብል ትምህርቲ ነጸጎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:20) ብዘይካዚ፡ ዝዊንግሊ መጽናዕቱ ብምቕጻል፡ ኣብ 22 ዕድሚኡ ናይ ካቶሊክ ፓስተር ኰነ።

 ዝዊንግሊ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ፡ ነቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ምእንቲ ኺርድኦ፡ ባዕሉ ቛንቋ ግሪኽኛ ተማህረ። ብተወሳኺ ንዕዮ ኢራስመስ መርመሮ፣ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ የሱስ ጥራይ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን መንጎኛ ኸም ዝዀነ ፈለጠ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብቲ ካቶሊክ፡ ቅዱሳን መንጎኛ ኸም ዝዀኑ እትምህሮ ትምህርቲ ጥርጣረ ኣሕደረ።

 ዝዊንግሊ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ፡ ንሓቂ ኣጽዒቑ ኺደልያ ጀመረ። ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ግዝኣት ጥልያን ንምቍጽጻር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ይዋጋእ ንዝነበረ ሰራዊት፡ ኣባት ነፍሲ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ብ1515፡ ኣብ ኲናት ማሪንያኖ፡ ካቶሊክ ንኣሽሓት ካልኦት ካቶሊክ ኪቐትሉ ኸለዉ ረኣየ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብኣእዳዉ ኣዳለወ፣ ንመብዛሕትኡ ድማ ሸምደዶ። ብ1519፡ ማእከል ፖለቲካዊ ሓይሊ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝነበረት ዙሪክ ኪነብር ጀመረ። ኣብኡ ድማ በብቝሩብ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይርከብ ትምህርቲ ደው ከተብል ከም ዘለዋ ተረድአ። ግናኸ ኻልኦት ናብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ኺበጽሑ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

“ከምዚ ዓይነት ስብከት ፈጺምና ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና”

 ዝዊንግሊ፡ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ሰሚዖም፡ ናይ ሃይማኖታት ሓሶት ኪነጽጉ ኸም ዚኽእሉ ሓሰበ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኣብ ዙሪክ ዚርከብ ግሮስሙንስተር ዚብሃል ፍሉጥ ቤተ ክርስትያን፡ ካህን ዀይኑ ተመርጸ። ስብከቱ ብዓብዪ ውጥን ጀመረ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ካህናት ንዘመናት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዳሰ b ኸም ዘየንብብ ገለጸ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ በብምዕራፍን ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታን ወንጌል ይሰብኽ ነበረ። ጥቕስታት ንምብራህ ካብ ኣበው ቤተ ክርስትያን ኣብ ክንዲ ዚውከስ፡ ንጥቕስታት ብጥቕስታት ገይሩ መብርሂ ይህበሉ ነበር። ነቲ ኽብድ ዝበለ ጥቕስታት በቲ ቕልል ዝበለ ጥቕስታት ገይሩ የብርሆ ነበረ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

Sergio Azenha/Alamy Stock Photo

ኣብ ዙሪክ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ግሮስሙንስተር

 ዝዊንግሊ ኺሰብኽ ከሎ፡ ንግብራዊ ጥቕምታት መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሕ ነበረ። ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይምህር ነበረ። ብተወሳኺ፡ ንማርያም ኣደ የሱስ ኣምልኾ ኸም ዘይግባእ፡ ንቕዱሳን ምጽላይ ከም ዘይግባእ፡ ስርየት ብኽፍሊት ኪኸውን ከም ዘይብሉ ኸምኡ እውን ዘይስነ ምግባራዊ ኣካይዳ ካህናት ግቡእ ከም ዘይኰነ ይሰብኽ ነይሩ። ሰባትከ ንስብከቱ እንታይ ምላሽ ይህቡሉ ነይሮም፧ ገሊኦም ድሕሪ እቲ ቐዳማይ ስብከቱ፡ “ከምዚ ዓይነት ስብከት ፈጺምና ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና” በሉ። ሓደ ጸሓፊ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ካቶሊክ ዝነበሩ ሰማዕቲ ዝዊንግሊ ኸምዚ በለ፦ “እቶም ብኣገልግሎት እታ ቤተ ክርስትያን ዜስካሕክሑ ኸምኡ እውን ብዕሽነትን ብዘይስነ ምግባራውን ኣካይዳ ካህናት ተበሳጭዮም ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ደው ኣቢሎም ዝነበሩ ኺምለሱ ጀሚሮም እዮም።”

 ብ1522፡ እቶም ካህናት፡ ኣንጻር ሰረተ ትምህርቲ እታ ቤተ ክርስትያን ይንቀሳቐሱ ንዝነበሩ ሰባት ደው ንምባል፡ ንፖለቲከኛታት ዙሪክ ኪጥቀሙ ጽዒሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዝዊንግሊ መናፍቕ ተባሂሉ ተኸስሰ። ኣብ ብሕታዊ እምነቱ ኺለማለም ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ ኸኣ፡ ካህን ካቶሊክ ካብ ምዃን ደው ኣበለ።

ዝዊንግሊ እንታይ እዩ ገይሩ፧

 ዝዊንግሊ፡ ካህን ካብ ምዃን ደው እኳ እንተ ኣበለ፡ ብንጥፈት ይሰብኽን ካልኦት እምነቱ ኪቕበሉ ይጽዕርን ነይሩ እዩ። ብምኽንያት ስብከቱ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰባት ህቡብ ኰነ። እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዙሪክ ጽልዋ ኼሕድር ኣኽኣሎ። ነዚ ተጠቒሙ ኸኣ፡ ኣብ ዙሪክ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ጀመረ። ንኣብነት ብ1523፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ምምሃር ገበን ከም ዝዀነ፡ ንሰበ ስልጣናት ዙሪክ ኣእሚንዎም ነይሩ። ብ1524 ድማ፡ ጣኦት ምምላኽ ብሕጊ ኸም ዚኽልከል ገይሩ እዩ። ኣመሓደርቲ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበኽትን ሰባትን ብምትሕብባር፡ ኣዝዩ ብዙሕ መሰውኢታት፡ ጣኦታት፡ ምስልታት ከምኡ እውን ቅዱስ ቦታታት ኣዕንዮም እዮም። ዝዊንግሊ—ጋድስ ኣርምድ ፕሮፈት ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ብዘይካ እቲ እቶም ቫይኪንግ ኣብ ልዕሊ ኣምልኾ ቦታታት ዝገበርዎ ዘመተ፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ቤተ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ዕንወት ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን እዩ።” ብ1525፡ ዝዊንግሊ ንሰበ ስልጣናት ንኣብያተ ክርስትያን ናብ ሆስፒታላት ኪቕይሩ፡ ፈለስቲ ድማ ኪምርዓዉ ኺፍቀደሎም ገበረ። ብዘይካዚ፡ ቍርባን ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ቕልል ብዝበለ ጽምብል ኪትካእ እማመ ኣቕረበ። (1 ቈረንቶስ 11:23-25) ጻዕሪ ዝዊንግሊ፡ ንሃይማኖተኛታትን ንፖለቲከኛታትን ዙሪክ ናብ ሓደ ዘምጽአ፡ ተሓድሶ ብምልዕዓል ከኣ ሃይማኖት ፕሮተስታንት ኪምስረት ባይታ ዘንጸፈ ምዃኑ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ብ1536 እተሓትመ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ዙሪክ

 ካብቲ ዝዊንግሊ ዝዓየዮ ዕዮ እቲ ዝበለጸ፡ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብ እዋን 1520ታት፡ ምስቶም ካብ በዅሪ ቛንቋታት እብራይስጥን ግሪኽን ከምኡ እውን ካብ ሰብዓ ሊቃናት ግሪኽኛን ላቲን ቩልጌትን ዚትርጉሙ ምሁራን ተሳንዩ ዓይዩ እዩ። እቲ ሜላ ቐሊል እዩ ነይሩ። ንነፍሲ ወከፍ ፍቕዲ ኻብቲ በዅሪ ቛንቋን ካብቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ትርጉማትን የንብቡ፡ ንትርጉም እቲ ፍቕዲ ይመያየጥሉ፡ ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝረኸብዎ ይጽሕፍዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ እተመያየጥሉን ዝተርጐምዎን ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ሓደ ጥራዝ ብምጥርናፍ፡ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዙሪክ 1531 ኣሕተሙ።

 ዝዊንግሊ ልባዊ ጻዕሪ ይገብር እኳ እንተ ነበረ፡ ጥሩፍን ትዕግስቲ ዘይብሉን እዩ ነይሩ። ንኣብነት ብ1525፡ ንሓደ ኣናባብቲስት ኣብ ዚምልከት ፍርዲ ተኻፊሉ ነይሩ። ኣናባብቲስት፡ ቈልዑ ብሕጻንነቶም ኪጥመቑ የብሎምን ኢሎም ዚኣምኑ እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ቈልዑ ብሕጻንነቶም ኪጥመቑ የብሎምን ኢሎም ንዚኣምኑ ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ኺፍረዶም ምስ ወሰነ፡ ነቲ ዜስካሕክሕ ፍርዲ ኣይተቓወሞን። ብተወሳኺ፡ ንመራሕቲ ፖለቲካ እቲ ተሓድሶ ምእንቲ ኺሰፍሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኺጥቀሙ ኣለዓዓሎም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ገሊኡ ኣኽረርቲ ካቶሊክ ዚነብሩሉ ዞባ ስዊዘርላንድ፡ ነቲ ተሓድሶኡ ተቓወምዎ። በዚ ኸምዚ፡ ውግእ ሓድሕድ ተወልዐ። ዝዊንግሊ፡ ወተሃደራት ዙሪክ ብምሓዝ ናብቲ ዓውደ ዂናት ከደ፣ ኣብ 47 ዕድሚኡ ድማ ኣብኡ ተቐትለ።

ሓድጊ ዝዊንግሊ

 ሁልድሪክ ዝዊንግሊ፡ ኣብ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ማዕረ ማርቲን ሉተርን ጆን ካልቪንን ውሩይ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ታሪኽ ግና ዓቢዪ ቦታ ኣለዎ። ዝዊንግሊ ንካቶሊክ ሮማ ብግህዶ ብምቅዋም ካብ ሉተር ንላዕሊ ገይሩ እዩ፣ ንካልቪን ከኣ መገዲ ጸሪጉሉ እዩ። በዚ ኸምዚ እዩ ኣብቲ ተሓድሶ ሳልሳይ ሰብ እተባህለ።

 ዝዊንግሊ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋ ሓዲጉ እዩ። ኣረኣእያኡ ንምስፋሕ፡ ኣብ ፖለቲካን ውግእን ተሸሚሙ ነይሩ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ፡ ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ፖለቲካ ገለልትነቶም ኪሕልዉን ንጸላእቶም ዋላ ነቶም ዚቐትልዎም ኬፍቅሩን ዝሓደጎ ኣብነት ካብ ምስዓብ ዓዲ ውዒሉ እዩ።—ማቴዎስ 5:43, 44፣ ዮሃንስ 6:14, 15

 እንተዀነ ግና፡ ዝዊንግሊ ትጉህ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃኑን ነቲ ዝፈለጦ ንኻልኦት ብቘራጽነት ብምክፋሉን እዩ ዚዝከር። ሓያሎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኺቡ፣ ካልኦት ከምኡ ምእንቲ ኺገብሩ እውን ሓጊዙ እዩ።

a ስርዓተ ስርየት፡ ሰባት ድሕሪ ሙማቶም ንዚጽበዮም መቕጻዕቲ ንምንካይ ወይ ንምውጋድ ተባሂሉ ብመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ዝጸደቐ ትእዛዝ እዩ።

b መጽሓፍ ቅዳሰ፡ እተወሰነ እተመርጹ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ዚንበብ ዓይነት መጽሓፍ እዩ።